ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማታት ጎንደርን ባህርዳርን ውጥረት ቀጺሉ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ


ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን
ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን

ዝሓለፈ ዓርቢ ቤት ፍርዲ ከቕርቡ ተባሂሎም ዝነበሩ ምስ ሕቶ መንነት ህዝቢ ወልቃይት ብዝተኣሳሰረ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኮሌኔል ደመቀ ዘውዱ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ትፅቢት ይግበር እንተነበረ`ኳ ከይቀረቡ ምትራፎም ዋና ፀሓፊን ሓላፊ ርክብ ህዝብን ሕቶ መንነት ወልቃይት ኣቶ ተሻገር ወልደሚካኤል ተሰማን ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህርዳር፡ ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ፡ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎታት ስራሕ ጠጠው ኣቢለን ከምዘለዋ ነበርቲ ይገልጹ`ለዉ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ግን፡ ሎም ትካልት መንግስቲ ሰሪሐን`የን ይብሉ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ከተማ ጎንደር ውጥረት ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ። መኢኣድ ዝተባህለ ተቓዋሚ ፓርቲ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣርባምንጭን ኣባላተይ ይሳደዱ ኣለዉ ይብል።

ብኻልእ ወገን ዝሓለፈ ዓርቢ ቤት ፍርዲ ከቕርቡ ተባሂሎም ዝነበሩ ምስ ሕቶ መንነት ህዝቢ ወልቃይት ብዝተኣሳሰረ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኮሌኔል ደመቀ ዘውዱ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ትፅቢት ይግበር እንተነበረ`ኳ ከይቀረቡ ምትራፎም ዋና ፀሓፊን ሓላፊ ርክብ ህዝብን ሕቶ መንነት ወልቃይት ኣቶ ተሻገር ወልደሚካኤል ተሰማን ሓቢሮም።

ንሶም: እቶም ኮሌኔል ቤት ፍርዲ ከቕርቡ እዮም ብዝብል ብዝሑ ንምግላፅ ዘፀግም ህዝቢ ወፂኡ ከምዝነበረን ኣብ ከተማ ብዙሕ ፍሉይ ሓይልን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ይዘዋወሩ ምንባሮም ጠቒሶም።

መንእሰያትብብዝሒ ስለዝወፀ እቲ ቦታ ስለዝተዓፀወ ሎሚ እውን ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብ ኣይተኽኣለን፤ ን24 ነሓሰ ተቖፂሩ’ሎ ክብሉ ነቲ ኮሚቴ ገሊፆምልና" ኢሎም ኣቶ ተሻገር።

ምስ ካልኦት ኣባላት እቲ ኮሚቴ ብሓባር እቶም ኮሌነል ተኣሲሮምሉ ኣብዝርከብዎ ከምዝበፅሑዎም እውን ኣቶ ተሻገር ሓቢሮም።

ኣቶ ተሻገር ብተወሳኺ ኣብ ወረዳታት ቃፍታ ሑመራ፣ወልቃይትን ፀገደን ዝለዓለ ምንቅስቓስ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ትግራይ ይርከቡ ኣለው፤ነቲ ህዝቢ መውፅእ መእተዊ ኣስኢኖምዎ ይብሉ ።

ኮሌኔል ደመቀ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቐረብሉ ምኽንያትን ኣብቲ ክልል ይርአ ኣሎ ብዛዕባ ዝተብሃለ ፅኑዕ ሓለዋ ፀጥታን ዝተሓተቱ ወሃቢ ቃል እቲ ክልል ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ከምዚ ክብሉ መሊሶም።

“እቲ ጉዳይ ብቤት ፍርዲ ዝተትሓዘ እዩ።ብወገና ዝኾነ ይኹን ብሕጊ ዝተጠርጠረን ዝድለን ኣካል ከምኡ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ዝርከብ ኣካል ኣብያት ፍርዲ ብመሰረት ኣሰራርሓን ሕግን ይትሓዝ ከምዘሎን ሕገ መንግስታዊ ኣካይድኡ ሓሊዩ ይኸይድ ከምዘሎን ኢና ንፈልጥ።”

ብምውሳኽ ኣቶ ንጉሱ መዓልታውን ሰሙናውን ውዕሎ ኣብያተ ፍርዲ ዝርዝር ቴክኒካዊ ኣሰራርሓ ናይ ኣብያተ ፍርዲ እዩ ኢሎም ።

ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኣብቲ ከባቢ ይንቀሳቐሱ ኣለው ብዛዕባ ዝተብሃለ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ክምልሱ ከለው ኣብቲ ክልል ቅድም ክብል እውን ምንቅስቓስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረሉ ከምዝኾነ ብምሕባር ኣብዚ ሕጂ እዋን ብመጠን ይኹን ብዓይነት ዝተፈለየ ምንቅስቓስ የለን፤ ሓይልታት ምክልኻል ናይቲ ሕብረተሰብን ሃገርን ሰላም ኣብ ምርግጋፅ እዮም ዝርከቡ ዘለው ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረቡን
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:24 0:00



XS
SM
MD
LG