ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ወልድያ ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ብዝተላዕለ ጎንጺ ክልተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ወልድያ ኣብ መንጎ ክለባት ኩዕሶ እግሪ መቐለን ወልድያን ክኻየድ ተመዲቡ ዝነብር ውድድር ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ቅድሚ ምጅማር’ቲ ጸወታ ዝተፈጥረ ጎንጺ ናብ ዓሌታዊ ግጭት ተቀይሩ ካብ ክልቲኦም ወገናት ህይወት ክልተ ሰባት ከምዝጠፍአ ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ከምዝቆሰሉ፡ ሆቴላትን ትካላት ንግድን ተወላዶ ትግራይ ከምዝዓነወ፡ መካይን ከምዝነደዱ ነበርቲን ምምሕዳር’ቲ ክልልን ኣፍሊጦም።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝተቃወሙ መንእሰያት ትግራይ ኣብ መቐለ ተቃውሞ ምክያዶም’ውን ተገሊጹ’ሎ።

መጥቓዕቲ ካብ ዝበጽሖም ሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝሞተን ሎሚ ኣብ ከተማ ማይ ጨው ከምዝተቀብረ ነበርቲ ገሊጾም’ለው። ከምኡ’ውን ካልእ ጉድለት ዝወረዶ ሰብ ትማሊ አብ ከተማ ወልድያ ከምዝቐብረን ኣብ ከተማ መርሳ መምህር ከምዝነበር ነበርቲ ገሊጾም ኣለው።

መበገሲ’ቲ ዝተባህለ ግጭት ካብ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒሽን’ቲ ክልልን ስሞም ክግለጽ ዘይደለዮ ነበርቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ክለባት ኩዕሶ እግሪ መቐለን ወልድያን ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ክጅመር መደብ ኣብ ዝተታሕዘሉ ንግሆ ክበሃል ዘይግባእ ዝተባህለ ብሄር ተኮር ጸርፊ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ክልቲኦም ክለባት ከምዝነበረን እዚ ስዒቡ ኸአ ጎንጺ ተላዒሉ ድሕሪ’ቲ ጎንጺ ብቀጥታ ንብረት ተወላዶ ትግራይ ዝኾነ ከምዝተሰባበረ ገሊጾም’ለው።

እዚ ብዝምልከት ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ አቶ ንጉስ ጥላሁን ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይትኦም ሂቦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG