ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወላይታ ዳግማይ ምርጫ ህዝበ ወሳነ ተኻይዱ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ዞባ ወላይታ ንኻልኣይ ግዜ ሎሚ ሰኑይ 19 ሰነ 2023 ምርጫ ህዝበ ውሳነ(ረደረንደም) ተኻይዱ። እቲ ምርጫ ኣብ ክልል ደቡብ ዝርከቡ ሽዱሽተ ዞባታትን ሓሙሽተ ፍሉያት ወረዳታትን ዝሕዝ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝተባህለ ክልል ናይ ምምስራት ሕቶ ንምምላስ ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ምርጫ ብሰንኪ ጥሕሰት ሕጊ ምስራዙ ይፍለጥ።

ወሃብቲ ድምጺ እቲ መስርሕ ምርጫ ካብ ዝሓለፈ ዝሓሸ ምንባሩን፣ ብሰላማዊ ኣገባብ ምክያዱን ኣብ ልዕሊ ኣፈፀምቲ ምርጫ ፃዕቒ ስራሕ ከምዝነበረ፣ መረፅቲ ነዊሕ ሪጋ ንምሓዝ ተገዲዶምን ገለ'ውን ገዲፎምዎ ዝኸዱ ነይሮም ዝብሉ ርእይቶታት ሂቦም ኣለው።

ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ኢትዮጵያ እውን ኣፈፀምቲ ናይቲ ምርጫ ተላኢኾም እቲ ምድማፅ ኣብ ዝተመደበሉ ስዓት ጀሚሩ ክብል ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ወላይታ ሰዶ መምህር ዝኾኑ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ነብይ ማርቆስ ብወገኖም ዝቐረበ አማራጺታት ግልፅነት የብሉን ክብሉ ንድምፂ ኣመሪካ ርእይቶ ሂቦም ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG