ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተኹሲ ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ኣብ ዝቐጸለሉ ቁጽሪ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ሱዳን ይውስኽ


ተኹሲ ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ኣብ ዝቐጸለሉ ቁጽሪ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ሱዳን ይውስኽ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:54 0:00

ተኹሲ ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ኣብ ዝቐጸለሉ ቁጽሪ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ሱዳን ይውስኽ

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝጀመረ ውግእ ሱዳን ትማሊ ረቡዕ እውን ቀፂሉ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 50 ሚእታዊት ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ረድኤት ከምዘድልዮ ይገልፅ።

ሓላፊ ወኪል ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ራመሽ ራጃሲንግሃም ንጋዜጠኛታት ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ"ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ሱዳን ማለት 25 ሚሊዮን ሰባት ሰብኣዊ ረድኤትን ሓለዋን የድልዮም ኣሎ’’ ኢሎም።ንሶም ወሲኾም እዚ ኣብታ ሃገር ዝተረኣየ ዝዓበየ ቁፅሪ ምኳኑ ይገልጹ። ሓደ ካብ ሰለስተ ሰባት ተፀባዪ ረድኤት ኮይኑ ኣሎ። ቅድሚ እቲ ኲናት ብዝነበረ ግጭታት ሓደ ሚሊዮን ህዝቢ ካብ መንበሪኡ ዝተመዛበለ ከምዝነበረ'ውን ሓቢሮም።

ኣብ ኻርቱምን ከባቢኡን ከምኡ እውን ኣብቲ ኣብ ፀገም ዝርከብ ምዕራብ ዳርፉር ኣስታት 1,000 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።

ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኣዛዚ ሰራዊት ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃንን ምኽትሎም መራሒ ሓይልታት ቕልጡፍ ወሃብቲ ደገፍ መሓመድ ዳጋሎን(ሒሚቲ)ን ይካየድ ብዘሎ ውግእ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣለው።

ክልቲኦም ወገናት ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ፀብለልታ ኣይረኸቡን።

ራጃሲንግሃም ሚሊዮናት ሰባት ኣብ ገዛውቶም ኮፍ ክብሉ ስለዝተገደዱ መሰረታዊ ዝኾኑ ኣገልግሎታትን ክንክን ጥዕናን ኣይረኽቡን ዘለው ኢሎም።

ልዕሊ 5,000 ሰባት ቆሲሎም ኣለው። ኣብታ ብስፍሓት መሬታ ካብ ኣፍሪቃ ሳልሰይቲ ዝኾነት ሱዳን እቲ ውግእ ብምቕፃሉ ናብ ብዙሓት ከባቢታት ሓገዝ ምብፃሕ ኣይተከኣለን። ዋጋ ዝተፈላለዩ ነገራት ሰማይ ዓሪጉ፡ ሕጽረት ነዳዲ እውን ኣሎ።

ዑማር ዝተባህለ ወዲ 52 ዓመት ሓረስታይ ድማ ዑማር ኣል-በሽር ካብ ስልጣኖም ካብ ዝወርዱ መንግስቲ ክምስረት ኣይተኸአለን ይብል።

ወኪል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ቶቢ ሃርዋርድ ዋና ከተማ ምዕራብ ዳርፉር ኣብ ዝኾነት ኣል-ጁናይና "ኣዝዩ ዘሰንብድ’’ ኩነታት እዩ ዘሎ ይብል። ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስቪላት ብመጥቓዕትታት ሚሊሽያ ተቐቲሎም። ኣብ ዕዳጋታት፣ መዕቖቢ ተመዛበልቲን ካልኦት ቦታታትን ወራርን ዕንወትን ኣሎ ክብል ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቲዊተር ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ ሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝተመዛበሉ 18 ሚሊዮን ሰባት ንምሕጋዝ 2.56 ቢሊዮን ዶላር ካብታ ሃገር ንዝሃደሙ ድማ 470.4 ሚሊዮን ከምዘድሊ ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ዓረብ ሊግ ኲናት ሱዳን ዓብይ ኣጀንዳ ክኸውን ትፅቢት ይግበር።ልኡኽ ጀነራል ኣል-ቡርሃን ነታ ሃገር ክውክል እዩ። ተንተንቲ ኣብ ደንበ ፓን ዓረብ ጽልዋ ዘለወን ግብፅን ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ንቡርሃን'የን ዝድግፋ ይብሉ።

ፕረዚደንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ፡ ጀነራላት ተዋጋእቲ ሓይልታት "ነቲ ትርጉም ኣልቦ ውግእ" ዝበልዎ ደው ከብሉዎ ብምፅዋዕ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ሃገር ንዝፈጠሩ ግጭታት ዳግም ክሓስበሉ ፀዊዖም።

XS
SM
MD
LG