ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዴሞክራት ንኽልቲኡ ኮንግረስ ምቁፅፃሮምን ብልጫ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደንን


ጆ ባይደን መበል 46 ፕሬዝዳንት ኣብ ዝኾንሉ ዩናይትድ ስቴትስ ናብ ናይ ሓድነት መንስግቲ ተመሊሳ ኣላ። ዴሞክራት ንሰኔት ተቖፃፂሮምዎ ኣለው።ብመሪሕነት ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዩናይትድ ስቴትስ ናንሲ ፐሎሲ ባይደን ዓበይቲ ለውጥታት ሕጊ ናይ ምውፃእ ዕድል ክህልዎም እዩ።

ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ኣብ ቅድሚኦም ቡዝሓት ብድሆታት ይፅበይዎም ኣለው።ቀዳማይ ካብቶም ፈተናታት ን400,000 ሰባት ዝቐተለ ኮሮናቫይረስ እዩ።

ዴሞክራት ሕዚ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሰኔተር ቻክ ሹመር ንሰኔት ዩናይትድ ስቴት ስ ተቖፃፂሮምዎ ኣለው።

እዚ ሰኔት እዚ ኣንፃር ናይ እዋኑ ሓደገኛ ፀገማት ክገጥም እዩ ዝበሉ ሹመር ‘’ኣብ ወለዶታት ሓደ እዋን ዘጋጥሙ ቅልውላዋት ጥዕናን ቁጠባን እዩ ገጢሙና ዘሎ።ኣብ ዘርኢ\ዓሌት፣ዘይምዕሩይ ዕድል ቁጠባ፣ማዕርነት ኣብ ትሕቲ ፅላል ሕግን ንወለዶታት ዝዘልቕ ለውጢ ከምፅእ’’ እዩ ኢሎም።

ዴሞክራት ብዓብይ ባህጊ ከሰጉምዎ ዝደልዩ ኣጀንዳ ዋይት ሃውስ ንክልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ ብምጥቃም ንምፍፃም ንፁር መንገዲ ኣለዎ ይብሉ ኣብ ጆርጅ ዋንሽንግተን ዩኒቨርስቲ ፕሮአፌሰር ኬሲ ቡርጋት።

እቲ ፕሬዝዳንት ካብ ሓደ ፓርቲ ምዃኑ ብዘይ ዓብይ ፀገም ካብ ኮንግረስ ዝመፅእ ሕጊ በቲ ፕሬዝዳንት ብቐሊሉ ምፍራም ይ ክኣል እዩ ኢሎም።

ግን ዴሞክራት ኣብ ክልቲኡ ኮንግረስ ፀቢብ ጠርዚ እዩ ክህልዎም።ሓደ ሕጊ ኣብ ሰኔት ክሓልፍ 60 ድምፂ ስለዘድሊ ሪፓብሊካዊያን ሕጊ ከይሓልፍ ናይ ምኽልካል ተኽእሎ ኣለዎም።

ኣፈ ጉባኤ ናንሲ ፔሎሲ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሒደት ድምፂ እንተስኢነን ሕጊ ናይ ምፅዳቕ ዕድል ኣይህልዎን።ነዚ እውን እዩ ምስ ሪፓብሊካዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ብሓባር ምስራሕ ከድሊ እዩ ዝበላ::

‘’ናይ ሓባር ባይታ ንምፍጣር ብዘይሻራዊ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ኣለና’’ኢለን።

ዴሞክራት ዓብላላይ ድምፂ እንተወነኑ እውን ሕዚ እውን ንፕሬዝዳንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዳግም ናይ ፌደራል ስልጣን ከይሕዙ ንምእጋድ 17 ናይ ሪፓብሊካዊያን ድምፂ የድልዮም።

XS
SM
MD
LG