ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በረድን ዛሕሊን ኣይሰናበትን ይብል ካብ ምብራቃዊ ግዝኣታት ኣሜሪካ

ቁጠዐ በረድ ኣብ ምብራቓዊ ኣሜሪካ
ቁጠዐ በረድ ኣብ ምብራቓዊ ኣሜሪካ

ምብራቃዊ ዞባ ኣሜሪካ፣ ነዚ ንርከበሉ ቤት ጽሕፈት ቪኦኤ ሓዊሱ ማለት’ዩ፣ ብከቢድ በረድ ተሸፊኑ ኣሎ ሎሚ ረቡዕ።

ኣብያተ ትምህርቲን መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈትን ተዓጽዩ። 4 ሽሕ ነፈርቲ’ውን ዓሪፈን ውዒለን ኣለዋ። ኣማኢት ኣሻሓት መንገደኛታት ቦኺሮም ኣለው።

ብሓፈሽኡ 68 ሚልዮን ህዝቢ ምብራቃዊ ግዝኣታት ኣሜሪካ ተለኪምና ኣለና።

ካብ ቨርጂንያ ክሳብ ማሳቹሰትስ ዘሎ ከባቢ ብከቢድ በረድ ተሸፊኑ ይራኣይ።

This item is part of
XS
SM
MD
LG