ምብራቃዊ ዞባ ኣሜሪካ፣ ነዚ ንርከበሉ ቤት ጽሕፈት ቪኦኤ ሓዊሱ ማለት’ዩ፣ ብከቢድ በረድ ተሸፊኑ ኣሎ ሎሚ ረቡዕ።
ኣብያተ ትምህርቲን መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈትን ተዓጽዩ። 4 ሽሕ ነፈርቲ’ውን ዓሪፈን ውዒለን ኣለዋ። ኣማኢት ኣሻሓት መንገደኛታት ቦኺሮም ኣለው።
ብሓፈሽኡ 68 ሚልዮን ህዝቢ ምብራቃዊ ግዝኣታት ኣሜሪካ ተለኪምና ኣለና።
ካብ ቨርጂንያ ክሳብ ማሳቹሰትስ ዘሎ ከባቢ ብከቢድ በረድ ተሸፊኑ ይራኣይ።
መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ