ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዊንተር ኦሎምፒክ ፅባሕ ኣብ ሩስያ ክጅምር‘ዩ


ዊንተር ኦሎምፒክ ሩስያ
ኦሎምፒክ ወቅቲ በረድ (ዊንተር ኦሎምፒክ) ፅባሕ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሶቺ ብድምቀት ክኽፈት‘ዩ።

መድረኽ ኦሎምፒክ ምሩፃት ኣትሌታት‘ዛ ዓለም ንከተኣናግድ ቅሩብ ኣሎ“ ኢሎም ፕረዚደንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ቶማስ ባች።

ሰበ-ስልጣን ሩስያ ኣብ ምድላው‘ዚ ውድድራት ልዕሊ ሓምሳ ቢልዮን ዶላር በጂቶም‘ለው።እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ኦሎምፒክ እቲ ብዙሕ ገንዘብ ዝተመደበሉ ኦሎምፒክ ክባሃል ገይሩ‘ሎ።ቅድሚ ሎሚ ዝተዳለወ ኦሎምፒክ ለንደን 15 ቢልዮን ዶላር‘ዩ ተመዲቡሉ።

እንተኾነ ኦሎምፒክ ሶቺ፣ደበና መጥቃዕቲ ፈጠርቲ ራዕዲ ኣንፀላልዩዎ ይርከብ።

ኪኢላ ፀጥታን ግብረ-ሸበራን ዝኾነ ብራየን ጀንኪንስ፣ክንዲ‘ዚ ዝኣክል ገንዘብ ዝተበጀተ ብጠንቂ ስግኣት መጥቃዕቲ ግብረ-ሸበራ‘ዩ ይብል።

”ኣብ መላእ‘ታ ከተማ ካብ ሰብዓ ክሳብ ሚእቲ ሽሕ ፖሊስን ስሩዕ ሰራዊትን ተዋፊሮም‘ለው።ብዘይካ‘ዚ ሓይልታት ሩስያ ንጥርጡራት ንምህዳን ካብ ገዛ ናብ ገዛ ክፍትሹ መደብ ኣለዎም።ብሕልፊ ዝጥርጥርዎም ዝተወሰኑ ሰባት ኣለው።ካብ ሶቺ ዘይኮና ማካይን ናብ‘ታ ከተማ ንከይኣትዋ ተኣጊደን‘የን” ኢሉ።

ዋና ተጠርጠርቲ ግብረ-ሸበራ ካብ ቺቺንያን ደጀስታን ዝብገሱ‘ዮም ተባሂሉ‘ሎ።እቲ ውድድር ካብ ዝካየደሉ ስፍራ ኣስታት ሓሙሽተ ሚእቲ ኪ/ሜ ርሕቀት ኣለዎ።ዝተፈላለዩ ጉጅለታት፣ነቲ ውድድራት ክነቋርፆ ኢና ኢሎም ከምዘፈራርሑ ዝዝከር‘ዩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ጂኦርጅታውን ንጉዳያት ግብረ-ሸበራ ዝትንትን ብሩስ ሆፍማን፣ከተማ ሶቺ ዕፅውቲ ከተማ ኢሉ ይገልፃ።

”ድሕሪ 1972 ኦሎምፒክ ሙኒክ ኣብ ትሕቲ ፅላል ስግኣት ዝካየድ ኦሎምፒክ ኮይኑ‘ሎ ውድድራት ሶቺ።ፈጠርቲ ራዕዲ ኣብ ኦሎምፒክ ሙኒክ ንእስራኤላውያን ኣትሌታት መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍፃሞም፣ሓለዋ ውድድራት ኦሎምፒክ ኣዝዩ ተጠናኺሩ‘ሎ።ሓቂ‘ዩ ካልኦት ውድድራት‘ውን ከቢድ ሓለዋ‘ዩ ዝግበረሎም ኣብ‘ዚ መዋእል‘ዚ” ባሃላይ‘ዩ ሆፍማን።

ብርክት ዝበሉ ተንተንቲ፣ንብራየን ጀንኪንስ ሓዊሱ፣ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑትን፣ኣብ‘ዚ ውድድር ኦሎምፒክ‘ዚ፣ኣዝዩ ብዙሕ ፀጋ ኣዋፊሮም‘ለው ኢሉ ይገልፆ።

ጀንኪንስ ወሱኹ ”ዳሕረዋይ ውድድር ኦሎምፒክ ኣብ ሩስያ፣ናይ 1980 ኦሎምፒክ ሞስኮ ምኳኑ ምዝካር ኣገዳሲ‘ዩ።ሓደ ዓመት ድሕሪ ሰራዊት ሩስያ ንኣፍጋኒስታን ምውራሮም ማለት‘ዩ።ብጠንቁ ድማ ልዕሊ ስሳ ሃገራት፣ኣብ ኦሎምፒክ ሞስኮ ኣይንሳተፍን ኢለን‘የን።ንሩስያውያንን ሕብረት ሶቭየትን ከቢድ ዕንወት‘ዩ ነይሩ።ሶቺ መኳሓሓሊት ክትከውን‘ዩ ትፅቢቶም” ይብል።

ቶማስ ዲ ዋል ዝተባሃለ ተንታኒ ብወገኑ፣ፕረዚደንት ፑትን ኣብ ሰላማዊ ውፅኢትን ምዝዛምን ኦሎምፒክ ሶቺ ናይ ውልቂ ተገዳስነትን ኢንቨስትመንትን ገይሮም‘ዮም።ውድድራት ኦሎምፒክ ሶቺ፣ብዘይ ገለ ኣበር ምስ ዝዛዘም፣ልዕሊ ፑትን ኡፈየ ኢሉ ዝሓድር ካልእ ሰብ የለን፣ገለ ፀገም እንተተፈጢሩ ብግልባጡ፣ልዕሊ ኩሉ ዝንቀፍ ፕረዚደንት ፑትን‘ዮም ይብል።
XS
SM
MD
LG