ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትምህርትን ሙዚቃን ማዕረ ማዕረ ተሰጉም ዘላ ዊንታ ኤፍሬም፣ ጋሻ መደብ መንእሰያት


ኣብ ኖርወይ ተወሊዳ ዝዓበይት ዊንታ ኤፍሬም R&B Soul ብዝበሃል ቅዲ ሙዚቃ ካልአይ ኣልቡም ወይ ሲዲ ንምውፃእ ትደሎ ዘላ መንእሰይ’ያ። ዊንታ ኣብ ቀረባ ክልተ ንፅል ደርፍታት’ውን ኣውፂኣ’ላ።

ዊንታ ንትምህርቲ ዝሃበቶ ትኹረት’ውን ዝለዓለ’ዩ። በዚ’ውን ናብ ሎንደን ብሪጣንያ ብምኻድ ብዓለም-ለኸ ርክባት (International relation)ናይ መጀመርያ ድግሪ (BA) ብዓለም-ለኸ ምሕደራ ሐይሊ ሰብ (International Human Resource Management) ኸአ ማስተርስ ዲግሪ ወዲአ ኣብዚ እዋን ኣብ ሎንደን ምስ ዝርከብ ሓደ ዓለም ለኸ ትካል ውልቂ ኣማኻሪት ጉዳያት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ኮይና ትሰርሕ። ቀዳመ ሰንበት ኸ ሙዚቃ ትሰርሕ።

“እቲ ብሞያ ትምህርተይ ዝሰርሖ ፅቡቅ ስራሕ’ዩ፡ ሙዚቃ ኸአ ህወተይ’ዩ ንመፃኢ ዝኾኖ ኸአ ንርእዮ” ትብል ዊንታ ኤፍሬም።

XS
SM
MD
LG