ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓልቲ ቤት ኔልሰን ማንዴላ ነበር ዊኒ ማኪደዘላ ማንደላ ዓሪፈን


ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ዓሌታውነት ደቡብ ኣፍሪቃ ልዑል ተራ ከምዝነበረን ዝጥቀሳ በዓልቲ ቤት ኔልሰን ማንዴላ ነበር ዊኒ ማኪደዘላ ማንደላ ሎሚ ሶኑይ ሚያዝያ 02 ዓሪፈን። ንሰን ኣብ መበል 81 ዓመተን ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ዝሞታ ክኾና እንከለዋ፤ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ዓሌታውነት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣካታዒ ከምኡውን ኣዝዩ ሕሉፍ ኣርኣእያ ዘለዎ ምንቅስቓስ ይመርሓ ከምዝነበራ'ዩ ዝጥቀስ።

ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ብፍላይ ድሕሪ ምብቃዕ ዓሌታውነት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣሉታዊ ተርአን ዝያዳ ክጎልሕን ግዳይ መንቀፍትን ድሒሩ ድማ ንሱ ዘስዓቦ ምስ ህቡብ ፖለቲከኛ ነልሰን ማንዴላ ዝነበረን ሓዳርውን ክፈርስ ክኢሉ'ዩ።

ሕሉፍ ኣረኣእያአን ጥራይ ዘይኮነ ዝጥቀማሉ ዝነበራ ሜላ ኣሰቃቒ ቅትለት ዝተሓወሶ ቃልሲውን ብርክት ንዘበሉ ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ግዳይ ገይሩ እዩ።

ንድሕሪ ምፍራስ ዓሌታውነት ዝቐረቡ ጸለምቲ መራሕቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፤ብፍላይ ድማ ንበዓል ቤተን ነበር ነልሰን ማንዴላ፤ድሕሪ ናይ 27 ዓመታት ማእሰርቱ ልኡም ኮይኑ ዘስምዕ ምስ ጸዓዱ ገዛእቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዎ ስምምዕ ረብሓ ጸለምቲ ዝሕሉ ከምዘይኮነ እየን ብተደጋጋሚ ክነቕፋ ተሰሚዐን።

XS
SM
MD
LG