ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ሃገራዊ ምርጫ ክካየዶ ይኽእል? ቀዳማይ ክፋል


ፈፃሚ ስራሕ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብዘካየዶ ኣኼባ ሃገራዊ ምርጫ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እዋኑ ክካየድ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሐ ኣፍሊጡ’ሎ።እንተኾነ ግን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኢትዮጵያ፣ኣክቲቪስታት፣ተንተንትን ካልኦት ዜጋታትን ኣብ ዝቕፅል ዓመት ምርጫ ክካየድ እንተኾይኑ ርግፀኛታት ኣይኮኑን።እቲ ክርክርን ዘተን ቀፂሉ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝነጥፍ ሃፍቶም በርሀ ሕዚ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ምርጫ ክካየድ ዘኽእል ኩነታት ከምዘየለ ብምግላፅ እቲ ሽግር ሕግን ስርዓት ስለ ዘይተኸበረ እዩ ይብል።ናይ ፌደራል መንግስቲ ሕግን ስርዓትን እንተድኣ ኣኽቢሩ ግን ክካየድ ይኽእል እዩ፤ክካየድ እውን ኣለዎ ይብል።‘’ምርጫ ብዝምልከት ንዝሓለፈ ከባቢ ሓደ ዓመት ካብ ዝተኸታተልኩዎ ኩነታትን ኣብ መሬት ብዘሎ ርድኢትን ቀፃሊ መረፃ ኣብ ግዚኡ ዝካየድ ኣይመስለንን’’ ክብል ሪኢቱኡ ሂቡ ሃፍቶም በርሀ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ኩነታት ፀጥታን ሰላምን ሃገራዊ ምርጫ ዝቕፅል ዓመት ኣብ እዋኑ ክካየድ የብሉን፤ክናዋሕ ኣለዎ ዝብል ሪኢቶ ካብ ዘለዎም ሓደ ድማ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝንቀሳቐስን ንናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ብቐረባ ዝከታተልን ኣክቲቪስት ነጋሲ በየን እዩ።ንሱ ‘’ኢትዮጵያ ሕዚ ብዘላትሉ ኩነታት ኣብ ባይታ ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል ኣይኮነን’’ ይብል።ተቓወምቲ ምስ ህዝቢ ተራኺቦም ሓሳቦም ከፅርፁን ክንቀሳቐሱን ክሳብ ዝኽእሉ ናይ ምርጫ እዋን ክናዋሕ ኣለዎ ይብል ብምውሳኽ።

ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕገ መንስግቲ ኢትዮጵያ ምርጫ ኣብ እዋኑ ክካይድ ከምዘለዎ ይእዝዝ እዩ ዝበለ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ሕገ መንስግቲ ዝኾነ ኣቶ የማነ ካሳ እዩ።ንሱ ‘’እቲ ሕገ መንግስቲ ሓደ ፓርላማ ናይ ስራሕ ዘመኑ ሓሙሽተ ዓመት ከምዝኾነን ናይ ፓርላም ናይ ስራሕ ዘመኑ ቅድሚ ምውድኡ ሓደ ወርሒ ዝቕፅል ስልጣን ዝርከብ ፖለቲካዊ ውድብ ንምፍላይ መረፃ ተኻይዱ ይነፀር ኢሉ ብግልፂ ኣቐሚጡዎ’ሎ።ካብዚ ወፃኢ ምርጫ ንምንዋሕ ዝኾነ ይኹን ዓንቀፅ ኣየቐመጠን’’ ይብል ኣቶ የማነ።ምርጫ ንክልተ ሰለስተ ዓመት ስለዝተናውሐ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ሃውህው ምሉእ ብምልኡ ክፍታሕ ማለት ኣይኮነን፤ናይ ምርጫ ኮሚሽን ገለልተኝነት እውን ክረጋግፅ እዩ ማለት እውን ስለዘይኸውን ምርጫ ኣብ እዋኑ ክካየድ ኣለዎ ይብል።

ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:13:50 0:00

XS
SM
MD
LG