ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ


ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ይፍፀምን ብሄር ተኮር እዩ ክብሉ ዝገለፁዎን ቅትለት ዝኾነኑ ሰልፈኛታት ሎማዕንቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ሎማዕንቲ ኣብ ከተማታት ባህርዳር፣ደብረ ማርቆስ፣ወልዲያ፣ደሴ፣ሃይቅን ካልኦት ከተማታትን እዩ ተኻይዱ።እቶም ተሳተፍቲ ብሄር ተኮር ክብሉ ዝገለፁዎ ቅትለትን ምንክልባትን ጠጠው ክብል ብምሕታት ኣብ ልዕሊ ክልል መንግስትን ፌደራል መንግስትን ናይ ተቓውሞ ድምፂ ኣስሚዖም።

እቶም ሰልፈኛታት የስምዕዎ ካብ ዝነበሩ ጭርሖታት ንኣምሓራ ምንክልባት ጠጠው ይበል፣ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ዝፍፀም ቅትለት ንመንግስቲ ከተሓሳስቦ ይግባእ፣ንህፃናት ምቕታልን ኣባይቲ ምፍራን ጅግንነት ኣይኮነን፣ናይ ወገነይ ደም የሕመኒ እዩ ዝብሉ ይርከቡዎም።

ኣብ ባህርዳር ኣብዝተካየደ ሰልፊ ዝተሳተፉ ሓደ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ይፍፀም ዘሎ ቅትለት ብህፁፅ ጠጠው ይበል ኢሎም።

‘’ኣምሓራይ ፈቖዶ እናተጨፍጨፈን ብገጀራ ይቕተል ዝወፃእኹ’’ ኢሎም።ኣብ ኩለን ከተማታትዝተኻየደ ሰልፊ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ናይ ፀጥታ ፀገም ከምዝተዛዘመ ኣተሓባበርቲ ገሊፆም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ሰላም ምንስትሪ ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ይወርድ ዘሎ ቅትለት ከምዘሕዘኖ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝተወደቡ ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ዝበሎም ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምርፃም ሓድነት ህዝቢ ንምፍራስን ይንቀሳቐሱ ኣለው ኢሉ።

እቲ ህዝቢ ምስ ሓይልታት ፀጥታ ብምትሕብባር ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ክረባረብ ኣለዎ ኢሉ እቲ ምንስትሪ።መንግስቲ ፀጥታ ንምዝራግ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ተኸታታሊ ስጉምቲ ብምውሳድ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ዘተኣማምን ሰላም ንምስፋንን ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝርከብ ወሲኹ ሓቢሩ።

ትማልን ሎማዕንት ብዛዕባ ዝተኻየዱ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ብዝምልከት ካብ ክልል ይኹን ፌደራል መንግስቲ ዝተውሃበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:33 0:00



XS
SM
MD
LG