ዋሽንግተን —
ኣብዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ኒጀር ናይ ዝሞተ ኣሜሪካዊ ወታሃደር በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብስልኪ ኣብ ዘዘራረቡኒ እዋን ኣብ ክንዲ ዘጸናናዑኒ መሊሰ’የ በኽየ ክትብል ተዛሪባ።
በዓልቲ ቤት’ቲ ዝሞተ ሓለቃ ሓምሳ ላ ደቪድ ጆንሰን መይሳ ጆንሰን ሎሚ ንቴሌቭዥን ኤቢሲ(ABC) ኣብ ዝሃበቶ ቃለ መጠይቅ ሬሳ በዓል ቤታ ንምቅባል ብመኪና እንዳተጉዓዝኩ ከለኹ እቶም ፕረዚደንት ደዊሎምሉይ፡ እቲ ዝርርብ ድማ ከጸናንዓኒ ዘይኾነ ዝያዳ ኣብክዩኒ ኢላ።
መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ