ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ቓዛ ቁጽሪ ብሕማም ዝሞቱ ይውስኽ ኣሎ ክብል የጠንቅቕ


ፋይል
ፋይል

መጥቓዕትታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ድሮ ልዕሊ ን15-ሽሕ ሰባት ቀቲሉ ኣሎ። መብዛሕቲኡ ደብዳብ ነፈርቲ ክፋላት ናይታ ከተማ ናብ ፍርስራስ ዝቐየረ እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ግን እቲ ኣብ ዕፅዋ ዝርከብ ስርዓት ጥዕና እንተድኣ ዘይተመሓይሹ ተወሳኺ ህዝቢ ብደብዳብ ነፈርቲ ዘይኮነስ ብሕማም ክመውት ይኽእል እዩ ክብል የጠንቅቕ ኣሎ። "መድሓኒት የለን፣ምንቅስቓሳት ክታበት የለን፣ ተበፃሕነት ፅሩይ ማይ የለን፣ ፅሬትን መግብን የለን’’ ዝበለት ወሃቢት ቃል ውድብ ጥዕና ዓለም ማርጋሪት ሃሪስ፡ ትማሊ ሰሉስ 28 ሕዳር 2023 እቲ ውድብ ቁጽሪ ብሕማም ውጽኣት ዝተጠቕዑ ፍልስጤማዊያን ህጻናት ይውስኽ ከምዘሎ ይዕዘብ ኣሎ ኢላ።

ማርጋሪት ሃሪስ"ኣብ ዕሸላት ዝለዓለ ቁፅሪ ሕሙማት ውጽኣት ንርኢ ኣለና። ንዕኦም ዝውሃብ ሕክምና የለን። እዞም ህጻናት ክሳብ ዝሓውዩ ፈሳሲ ሪሃይድረሽን ክትህቦም ኣለካ። ከምኡ ዘይትገብር እንተድኣ ኮይንኻ ኣብ ነብሶም ዘሎ ፈሳሲ ተወዲኡ ብቕልጡፍ እዮም ዝሞቱ’’ ኢላ።

ሃሪስ ብምውሳኽ ሰለስተ ርብዒ ሆስፒታላት ቓዛ ወይ ካብ 36 ሆስፒታላት እተን 26 ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ ወይ ስኣን ነዳዲ ፈፂመን ተዓፂየን ኣለዋ ኢላ።

ብመሰረት ግዚያዊ ደውታ እቲ ውግእ እስራኤል መግቢ፣ማይን መድሓኒትን ሓዊሱ ተወሳኺ ረድኤት ክኣትው ፈቒዳ ኣላ። ትካላት ረድኤት ግን ዝለዓለ ጠለባት ንምምላእ እኹል ኣይኮነን ይብላ።

ወሃቢ ቃል ወኪል ህፃናት ሕቡራት ሃገራት ጄሚስ ኤልደር "ናብዚ ክመፅእ ከለኹ ኣብዝቕፅል ዝገደደ ከምዝኸውን ሻቕሎት ኣሎኒ ካብኡ ዝሓመቐ ከምዝኸውን ድማ እግምት እየ’’ ኢሉ።

ንቓዛ የመሓድሩ ዘለው ዕጡቓቱ ሓማስ 7 ጥቅምቲ ናብ እስራኤል ኣትዮም ኣስታት 1,200 ሰባት ብምቕታል 240 ሰባት ጨውዮም ድሕሪ ምውሳዶም እስራኤል ንሓማስ ንምጥፋእ ብዝብል ኣብ ቓዛ ቀጻሊ ደብዳብ ከተካይድ ጸኒሓ'ያ። እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ብዝተጽሓ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ሓገዝ ናብ ቓዛ ክኣትው፡ እስራኤል ፍልስጤማዊያን እሱራት ክትፈትሕ፡ ሓማስ ድማ ዝተጨወዩ ሰባት ክፈትሕ ተሰማሚዕም ኣብ ምትግባር ይርከብ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG