ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኩነታት ሊብያ


መግለጺ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኩነታት ሊብያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:53 0:00

መግለጺ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኩነታት ሊብያ

ዋና ዳይሬክተር ውድብጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም 'ዳንኤል' ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ትሮፒካዊ ህቦቡላ ኣብ ሊቢያ "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ መዓት" ኣውሪዱ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ሓቀኛ ምስሊ ናይቲ ዕንወት ገና ይወፅእ እዩ ዘሎ እውን ኢሎም። ከባቢያዊ ሰበ ስልጣን ግን ዛጊድ ልዕሊ 11,000 ሰባት ሞይቶም፣ ካልኦት ኣሽሓት ሃለዋቶም ኣይፍለጥን ልዕሊ35,000 ሰባት ድማ ተመዛቢሎምን ቤት ኣልቦ ኮይኖምን ክብሉ ገሊፆም ኣለው።

ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ትማሊ ሓሙስ 14 መስከረም 2023 ኣብ ጀኔቭ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ "ብዝሒ ዝሞቱ ይውስኽ ኣብ ዘለለሉ ናይቶም ዝተረፉ ጥዕና ኣተሓሳሳቢ ይኸውን ኣሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ናብቶም ዝተጎድኡ ህፁፅ ሓገዝ ንምብፃሕ ምስ ሚንስትሪ ጥዕናን መሻርኽትን ይሰርሕ ኣሎ። ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ህፁፅ ማዕኸን ገንዘብ ክልተ ሚሊዮን ዶላር ይሰድድ ኣሎ’’ ኢሎም ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG