ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሌራ ኣብ ከተማ ጁባ ይጋፋሕ ከምዘሎ ተፈሊጡ


Logo of the World Health Organization at WHO headquarters in Geneva
Logo of the World Health Organization at WHO headquarters in Geneva
ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ ኮሌራ ብቕልጡፍ ይጋፋሕ ከምዘሎ ትካል ጥዕና ዓለም /WHO/ ኣፍሊጡ።ትካላት ረድኤትን ምንስቴር ጥዕናን ኣብታ ከተማ ይስፋሕፋሕ ዘሎ ሕማም ጠጠው ንምባልን ኣብ ካልኦት ኽፋል እታ ሃገር ድማ ከይጋፋሕ ንምክልኻልን ፃዕርታቶም ኣሐይሎም ኣለው።
ሕማም ኮሌራ ኣብ ዋና ከተማ ጁባ ንፈለማ ግዜ ካብ ዝርአ ካብ ዝሓለፈ 23 ሚያዚያ ጀሚሩ ብቕልጡፍ ይጋፋሕ ብምህላው ትካል ጥዕና ዓለም ስግኣቱ ገሊፁ’ሎ።27 ናይ ሞት ሓደጋ ሓዊሱ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሕሙማት ተረኺቦም ኣለው።ኣብ ክፍለ ግዝኣታት ጆንግለይ፣ሌክስን ኣፐር ናይልን እውን እቲ ሕማም ከምዝተርኣየ ዘይተረጋገፀ ፀብፃብ ይሕብር።

ኣብ ትካል ጥዕና ዓለም ክኢላ ሕማም ኮሌራ ዶ/ር ዶምኒክ ሌግሮስ ዝተመዛበሉ ሰባት ዝነብርሎም ካፕታት ፅርየቶም ዘይተሓለወ፣ግዚኡ ድማ ዝናብ ዝወቕዐሉ ስለዝኾነ እቲ ሕማም ክጋፋሕ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ንዝዓበየ ለበዳ ምድላው ኣድላዩ ምዃኑ ዝሓበሩ ንሶም እቲ ለበዳ ኣብታ ሃገር ከመይ ክጋፋሕ ከምዝኽእል ግን ንምግማት ከምዘፀግም ሓቢሮም።ብምስዓብ ‘’ኣብ ጁባ ከምዝርኣናዮ ብቕልጡፍ ከምዝጋፋሕ ንፈልጥ ኢና’’ኢሎም።

ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ነቲ ሕማም ንምቁፅፃር እዋን ዝናብ ዝተሓላለኸ ከምዝገብሮ ሌግሮስ ወሲኾም ገሊፆም።ምንጭታት ማይ ብውሕጅ ስለዝብከሉ ሕማም ኮሌራ ዝውስኸሉ ግዜ እዩ።
ሕማም ኮሌራ ብዝተበከለ ምግብን ማይን ይጋፋሕ።ኮሌራ ኣብ ነብሲ ዘሎ ፈሳሲ ንኽፅንቀቕ ዝገብር ከቢድ ተምላስን ተቕማጥን የስዕብ።

እንድሕሪ ዘይትሓኪሙ ኣብ ስዓታት ክቐትል ይኽእል።ዝብዝሕ ግዜ ግን ፈሳሲ ብዝትክእ ሪሃይድረሽን ጨው ይሕከም።

ኣብ ጁባ ሰራሕተኛታት ፅርየት ንኽምሓየሽን ንፁህ ማይ ንምቕራብን እናፈተኑ ምዃኖምን ሕክምና ዝውሃበሎም ማእኸላት እውን ከምዘጣየሹን ኣብሪሆም።

ትካል ጥዕና ዓለምን መሻርኽቱን ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ሰሜን ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝርብ ካምፕ ንዝነብሩ ተመዛበልቲ ኽታበት ምሃቦም ሌግሮስ ሓቢሮም።እንተኾነ ግን ብምኽንያት ፅኑዕ ሓለዋ ፀጥታ ሰራሕተኛታት ጥዕና ንኻልኣይ ዙር ኽታበት ናብቲ ካምፕ ክምለሱ ኣይክኣሉን።
XS
SM
MD
LG