ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዱብ ጥዕና ዓለም ንለበዳ ሸሮኽ(ኮሌራ)ንምቕራፍ ቃል ይኣትው


ውዱብ ጥዕና ዓለም ንለበዳ ሸሮኽ(ኮሌራ) ንምግታእ ዝሕግዝ 900 ሽሕ ሶስ ክታበት ናብ ባንግላዴሽ ልኢኹ።

እዚ ዝኾነ ኣብ የመን እቲ ለበዳ ንዘስዓቦ ሞት ንምቅላስ እቲ ውድብ ብዝቀልጠፈ ክንቀሳቀስ ከምዝነበሮ ኣብ ዝገለጸሉ’ዩ።

እቲ ውድብ ክሳብ 2030 ዓ.ም ነቲ ለበዳ ንምቕራፍ ቃል ምእታው’ውን ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ የመን ብዘጋጠመ ከቢድ ህጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይን ኣገልግሎት ጥዕናን ኣብታ ሃገር ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ብሕማም ኮሌራ ይሳቀዩ’ለው። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2017 ቅድሚ ምዝዛሙ እቲ ቁጽሪ ናብ ሓደ ሚልዮን ክጽጋዕ’ዩ ክብል’ውን እቲ ውድብ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ውዱብ ጥዕና ዓለም ንለበዳ ሸሮኽ(ኮሌራ)ንምቕራፍ ቃል ይኣትው
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:28 0:00

XS
SM
MD
LG