ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕጽረት ክታበት ሕማም ሸሮኽ ንተርእዮ'ቲ ሕማም ከጋድዶ ከምዝኽእል ውዱብ ጥዕና ሓቢሩ


ክታበት ሕማም ሸሮኽ
ክታበት ሕማም ሸሮኽ

ኣብ ዙርያ ዓለም ሕጽረት ክታበት ሸሮኽ ብምግጣሙ ሕማም ሸሮኽ ዳግም ክውስኽ'ዩ ዝብል ስግኣት ከምዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ረቡዕ ሓቢሩ።

ነቲ ክታበት ዘፍሪ እንኮ ፋብሪካ መድሃኒት ደቡብ ኮርያ፡ ነቲ ጠለብ ከማልእ ከም ዘይኽኣለ ክፍሊ ምክትታል ምውሃብ ክታበት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ`ሎ።

መግለጺ ውድብ ጥዕና ዓለም "ኣብ መንጎ ዘሎ ጠለብን ሕጂ ዘሎ ውህሉል ቀረብ ክታበትን ከቢድ ክፍተት ኣሎ" ይብል።

ኣብ 2022 ናብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተሓበረ ቁጽሪ ሕሙማት ሸሮኽኮሌራ፡ 473-ሺሕ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2023 እቲ ቁጽሪ ናብ 700-ሺሕ ክብ ኢሉ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ`ሎ።

ተወሰኽቲ ፋብሪካታት ክታበት ሸሮኽ ዘይምፍራየን ድማ ኣብ ዝመጽእ ዓመተ 2025`ውን እቲ ጠለብ እናወሰኸ ክኸይድ ከም ዝኽእል እቲ መግለጺ የመልክት።

ከምቲ ንኮቪድ-19 ዝተዋህበ ህጹጽ ትኹረት ንኮሌራ`ውን ክወሃብ ይግባእ ክብል እውን ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

እተን ዝያዳ ብሕማምሸሮኽ ኮሌራ ተተንኪፈን ዘለዋ ሃገራት፡ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማል፡ ሱዳን፡ ሶርያ፡ ዛምቢያን ዚምባብወ ምኳነን ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG