ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ቓዛ ይበጽሑ


ካሃን ዮኑስ
ካሃን ዮኑስ

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ትማሊ ሰኑይ ምስ’ቶም ብሰንኪ መጥቃዕቲ እስራኤል ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ቓዛ ይሕከሙ ዘለው ከምዝዋዓሉ ተሓቢሩ።

ኣተሓባባሪ ጉጅለ ህጹጽ ሕክምና ሽዋን ኬስይ ሆስፒታል ኣል ኣቅሳ፣ ልዕሊ ዓቅሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጾም።

ኣሶሴይትድ ፕረስ ብመሰረት ዝረኸቦ ሓበሬታ ድማ ‘ሰነዳት ሆስፒታል ደይር ኣል ባላህ፣ ኣስታት 106 ሰባት ብደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተቀትሉን፣ ወፍሪ እስራኤል ካብ ዝጅምር ንዳሓር እቲ ዝበዝሐ ቅትለት ምዃኑን ኣረጋጊጸ ኣለኹ"ይብል።

እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ኣስታት 20,400 ፍልስጤማዊያን ከምዝሞቱን 2.3 ሚልዮን ፍልስጤማዊያን ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ቀ/ሚ ቤንያሚን ኔታንያሁ "እስራኤል ደው ኣይክተብልን እያ፣ ክሳብ ዓወት ክትቅጽል እያ" ኢሎም።

ንሶም ኣብ ቤት ምኽሪ እስራኤል ነቲ ቃል’ቲ ኣብ ዘስምዕሉ ሰዓት፣ ኣባላት ስድራኦም ዝተጨወይዎም እስራኤላዊያን ብግዲኦም ፣ ሃገሮም ንምፍታሕ’ቶም ኣብ ቓዛ ዝተጨወዩ ክትብል ናብ ስምምዕነት ክትበጽሕ ተማሕጺኖም።

እቶም ቀ/ሚ ናብ ሰራዊት እስራኤልን ጉድኣት ዝወረዶም ዜጋታትን ኣብ ዘቃልሕዎ መልእኽቲ ካልእ ሃገርን ካልእ ኣማራጺን ስለዘይብልና፣ ክንቅጽል ኢና፣ ክሳብ ዓወት ዝረጋገጽ ክንምርሽ ኢና ኢሎም።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ብሰንኪ እስራኤል ዝፈጸመቶ ደብዳብ ነፈርቲ ኣስታት70 ሰባት ከምዝሞቱ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG