ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶክተር ቴድሮስ: ንፕረ.ሙጋበ ዝሃብዎም ናይ ክብሪ መዝነት ስሒቦሞ


ላዕለዋይ በዓልስልጣን ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነን ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ነበርን ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም
ላዕለዋይ በዓልስልጣን ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾነን ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ነበርን ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ውድብ ጥዕና ዓለም ፕረዚደንት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋበ ናይ ክብሪ ኣምባሳደር ናይቲ ውድብ ክኸውን ድሕሪ ምርቑሑ ንውሳነኡ ከምዝሰሓበ ኣፍሊጡ።

ዶክተር ቴድሮስ: ንፕረ. ሙጋበ ዝሃብዎም ናይ ክብሪ መዝነት ስሒቦሞ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:44 0:00

ላዕለዋይ በዓልስልጣን ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾኑን ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ነበርን ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም: ንፕረዚደንት ሙጋበ ኣብ ምምካት ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ኣፍሪቃ ንኽተሓጋገዝ ናይ ክብሪ መዝነት ምሃቦም ይፍለጥ።

ይኹንምበር: ቀንዲ መወልቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾና ሃገራት ብሪጣንያ: ካናዳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ምስ ካልኦት ሲቪካዊ ማሕበራትን ክኢላታት ጥዕና ዓለምን ብምዃን ንውሳነ ዶክተር ቴድሮስ ተቓውሞ ብምቕራቦም፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ኣቐዲሙ ዝበጽሖ ውሳነ ክስሕቦ ከምዝተገደደ’ዩ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋበ
ፕረዚደንት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋበ

ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም: “ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ንፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ከም ናይ ሰናይ ድሌት ናይ ክብሪ ኣምባሳደር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክኸውን ንዝወሰንክዎ ውሳነ ተመሊሰ ርእየዮ። ከም ውጽኢቱ ድማ ነቲ ዝሃብክዎ መዝነት ስሒበዮ ኣለኹ “ክብሉ መግለጺ ኣውጺኦም።

ንሶም ነዚ መግለጺ ዘውጽኡ: ነቲ ዝቐረበ ዕቃበታት ድሕሪ ምስምዖም ምዃኖም ዘስመሩሉ ክኾኑ ከለው፤ እቲ ውሳነ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ዚምባብወ ብምምይያጥ ንዝበለጸ ረብሓ እቲ ውድብ ኣብ ዝተመርኮሰ ምዃኑ’ውን ዶክተር ቴድሮስ ኣብ መግለጺኦም ጠቒሶም።

ሚኒስተር ጥዕና ዚምባብወ ዋልተር ምዘምቢ ብወገኖም: ኣብ መንግስታዊ መራኸቢ ቀሪቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ: እቲ ውሳነ ብቐንዱ ሓጋዚ ዘይምንባሩን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ቀንዲ ተልእኾታቱ ንኸተኩር ድሕሪ ምጽውዖም: ምስሓብ ናይ ክብሪ መዝነት ከምዝተቐበልዎ ኣረዲኦም።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተረዛ መይ ድማ: “ውድብ ጥዕና ዓለም ውሳነኡ ምስሓቡን ዶክተር ቴድሮስ ድማ ንዕቃበታትና ምስምዑን ተሓጉስና” ክብል ቤት ጽሕፈተን ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

XS
SM
MD
LG