ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ጥዕና ዓለም ብሕሱም ዋሕዲ ኣመጋግባ ዝሳቐዩ ህፃናት ኣብ ገዛውቶም ክንክን ክረኽቡ ዘእኽል ኣሰራርሓ ኣውፂኡ


Logo of the World Health Organization at WHO headquarters in Geneva
Logo of the World Health Organization at WHO headquarters in Geneva
ትካል ጥዕና ዓለም ብሕሱም ዋሕዲ ኣመጋግባ ዝሳቐዩ ህፃናት ኣብ ሆስፒታል ደቂሶም ኣብ ክንዲ ምሕካም ብፍሉይ ዝተቐመመ ምግብን ነፍሳትን/ antibiotics/ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም ክብል ኣፍሊጡ።እዞም ህፃናት ብዋሕዲ ኣመጋግባ ዝሳቐዩ ዋላ እንተኾኑ’ውን HIV ኽምርመሩን ክሕከሙን ኣለዎም ተባሂሉ’ሎ።

ናብ 20 ሚሊዮን ዝፅግዑ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃውንቲ ብሕሱም ትሑት ኣመጋግባ ከምዝሳቐዩ ትካል ጥዕና ዓለም ይገልፅ።መብዛሕቲኦም እዞም ህፃናት ኣብ ኣፍሪካን ደቡብ ምብራቕ ኢሲያን ይርከቡ።

ኣብ ዓለም ሓሙሽተ ዓመት ከይመልኦም ናይ ዝሞቱ ህፃናት ብሳልሳይ ደረጃ ትሑት ኣመጋግባ ምኽንያት ምዃኑ እቲ ትካል ይሕብር።
ነዚ ንምንካይ ትካል ጥዕና ዓለም ትማሊ ሰሉስ ዝተመሓየሸ ናይ ክንክን መምርሒ ኣውፂኡ’ሎ።

ዚታ ወይዝ ፕሪንዞ ኣብ ትካል ጥዕና ዓለም ናይ ቴክኒክ መኮነንን ነቲ ፀብፃብ ካብ ዝፅሓፋን ሓንቲ እየን።ኣብ 1999 ኣ/ፈ ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዓለ መምርሒ ካብ ዝተለወጡ ሓደ ብዝተሓተ ናይ ኣመጋግባ ስርዓት ዝሳቐዩ ህፃናይ ሎሚ ኣብ ገዛውቶም ኮይኖም ክንክን ክረኸቡ ይኽእሉ እዮም ዝብል እዩ ይብላ።

ሓደ ህፃን ብዋሕዲ ኣመጋግባ ዝሳቐይ ምዃኑ እንተተፈሊጡ፣ሸውሃት እንተሃሊዩዎ፣ዝተሓላለኸ ናይ ጥዕና ሽግር እንተዘይሃሊዩዎን ኣብ ሆስፒታል ኣትዩ ምሕካም ኣየድልዮን ይብል ብምዋኽ።ናይ ሆስፒታል ኽፍሊት እውን ዝለዓለ እዩ ኢለን።
እዚ ማለት ግን ምስ ትካል ጥዕና ርክብ ኣይህልዎን ማለት ከምዘይኮነን ሓኻይም ብፍላይ ኣብ ዝተቐመመ ምግብን መድሓኒትን ምስ ስድራ ብቐረባ ክሰርሑን እዮም ኢለን።

ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ዘውፅኦ ሓድሽ መምርሒ ብሕሱም ዋሕዲ ኣመጋግባ ዝሳቐዩ ህፃናት HIV እንተሃሊዩዎም ክመርመሩን ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ክሕከሙን ይኽእሉ እዮም።
እዚኦምን ካልኦትን ዝወፁ ሓደሽቲ መምርሒታት ብደረጃ ሃገር ብዝግባእ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ውዒሎም ብህፅረት ኣመጋግባ ዝሳቐዩ ህፃናት ኩነታቶም ከምዝመሓየሽን እንተኾነ ግን ኣብ ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ነዞም ሓደሽቲ ኣገባባት ንምትግባር ውሱን ፀጋታትን ሓይሊ ሰብን ከምዘሎ ወሲኸን ሓቢሮን።
XS
SM
MD
LG