ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣገልግሎት ጥዕና ቓዛ ኣብ ዘስክፍ ኩነታት ከምዘሎ ዞባዊ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ


ዞባዊ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምብራቓዊ ሜድትራኒያ ኣሕመድ ኣል፡ማንድሃሪ - ፋይል
ዞባዊ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምብራቓዊ ሜድትራኒያ ኣሕመድ ኣል፡ማንድሃሪ - ፋይል

ስርዓተ ጥዕና ቓዛ ኣብ ጫፍ "ዘፍርሕ ኩነታት’’ ከምዘሎ ዞባዊ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምብራቓዊ ሜድትራኒያ ኣሕመድ ኣል፡ማንድሃሪ ገሊፁ።

ዕመብዛሕቲኦም ክድሕኑ ዝኽእሉ ይሞቱ ኣለው’’ ዝበለ ኣልማንድሃሪ ኣብ ቓዛ ካብ ዝርከባ 36 ሆስፒታላት እተን 15 ጥራሕ ብከፊል ይሰርሓ ከምዘለዋን ኣብቲ ዝቐፀለ ኲናት ዝቖሰሉ ሰባት ኣብቲ ብጉዱኣት ዝተጨናነቐ ሆስፒታል ኣብ መሬት ይሕከሙ ኣለው ኢሉ።

ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝቐፀለ ቀይድታትን ምድንጓያትን ምቕራብ ነዳዲ፣ መድሃኒትን ካልእ ረድኤትን ኣብቲ ብኲናት ዝዓነወ ግዝኣት ሓደጋ ተወሳኺ ሞትን ሕማምን ክኸውን እዩ ክብል ዶ/ር ኣል- ማንድሃሪ ኣጠንቂቑ።

ንሱ ወሲኹ እቶም ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ዝኸፍአ ምንቁልቋል ኣገልግሎታት ጽሬት፥ ኩነታት ኣየር ናብ ደረጃ በረድ ይበፅሕ ኣብ ዘለወሉ ድማ ሕፅረት መግብንን ማይን ገጢምዎም ኣሎ ድሕሪ ምባል ዋሕዚ ሰብኣዊ ረድኤት ኵስኽን ቶኽሲ ጠጠው ክብልን እውን ፀዊዑ ኣሎ።

ሚንስትሪ ጥዕና ቓዛ ትማሊ ሰኑይ ሬሳ ናይቶም ብደብዳብ እስራኤል ዝተቐተሉ 132 ሰባት ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ናብቶም ዝተኸበቡ ሆስፒታላት ምብጽሖም ብምሕባር፥ እዚ ዳሕረዋይ ሞት ቁፅሪ ኵናት ካብ ዝጅምር ዝተቐተሉ ሰባት ናብ 24,100 ዝቖሰሉ ድማ 60,834 ክብ ምባሉ ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG