ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ኣገልግሎት ጥዕና ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ


ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ እንሓመቐ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ጥዕና ዘተሓሳስብ`ዩ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ። ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካልአይቲ ዝኾነት ሃገር ዘጋጠማ ደርቅን ግጭታትን ንሕማምን ጥምየትን ጠንቂ ምዃኑ ጠቒሱ`ሎ። ኩነታት ጥዕና ኢትዮጵያ እናሓመቐ ምኻዱ ዘሻቕል`ዩ ዝበሉ ዳይሬክተር'ቲ ውድብ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ግጭት፡ ደርቅን ምፍንቓልን ንምዝርጋሓ ሕማምን ጥምየትን ጠንቂ ኮይኑ`ሎ ኢሎም። ብፍላይ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ናብ ዓጸቦ ዝተጸግዐ ኩነታት ከም ዘሎ ጸብጻባት መሓውራት ዜና ይገልጹ ኣለዉ ክብሉ'ውን ዶ/ር ቴድሮስ ሓቢሮም። ኤል-ኒኞ ብዝተባህለ ዘይንቡር ኩነታት ኣየር ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 17-ሚልየን ሰባት ጸልዩ ከምዘሎ ዝገለጹ ዶ/ር ቴድሮስ ብፍላይ ኣብ መንጎ ነሓሰ 2022ን ታሕሳስ 2023 ንልዕሊ 30-ሺሕ ሰባት ብሕማም ሸሮኽ(ኮሌራ) ምትሓዞም ምምዝጋቡ'ውን ሓቢሮም ኣለው።

ዳይሬክተር ህጹጽ ኩነታት ውድብ ጥዕና ዓለም ሚካኤል ርያን ብወገኑ፡ ኣብ ዓንኬል ቅልውላው ዝጠሓላ ሃገራት ካብቲ ዝቐደመ ከይተገላገላ ካልእ የርክበን ምህላዉ ጠቒሱ።ንሱ ወሲኹ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ንርእዮ ዘለና ጸገም `ዩ ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG