ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ሓገዝ ገንዘብ ምቁራፃ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ፅልዋ ክህልዎ እዩ ተባሂሉ


ኣሜሪካ ሓገዝ ምቁራፃ ኣብ ኣፍሪቃ ምስፍሕፋሕ ቫይረስኮሮና ንምክልኻል ንዝካየድ ፃዕሪታት ዝጎድእ እዩ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ስግኣቱ ገሊፁ።

ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ውድብ ጥዕና ዓለምፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝውሃበ ገንዘብ ደው ንምባል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ኣፍሪቃ ንቫይረስ ኮሮና ንምምካት ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ኣብ ዓሶን ኤችኣይቪ(ኤዲስን ) ዝኣመሰሉ ሕማማት ናይ ምክልኻል ተኽሎኣ ዘስእን እዩ ኢሎም ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣሜሪካ ካብ ናይቲ ውድብ ናይ 2020-2021 ሓፈሻዊ 4.8 ቢሊዮን ዶላር 400 ሚእቲ ሚሊዮን ዶላር ክትልግስ ቃል ኣትያ ነይራ።

እዚ ናይ ሎሚ ዓመት መፅብዓ መብዛሕቲኡ ዝተወሃበ እንተኾነ እውን ምቁራፅ ሓገዝ ገንዘብ ኣሜሪካ ማህሰይቱ ዝጅመር ዝቕፅል ኣብ ዓመት 2021 እዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ሓላፊ ፕርግራም ህፁፅ ስራሓት ማይክል ያኦ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ንቴክኒካዊ ሓገዛትን ካልኦት ሕማማትን ዝግበሩ ምንቅስቓስ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዝርከብ በጀት ስለዝስራሕ ምቁራፅ በጀት ነዞም ምንቅስቓሳትከምዝጎድኦ ገሊፆም።

ኣብ ስራሕቲ ኮቪድ 19 ንዝዋፈሩ ሰራሕተኛታት ዝውሃብ ኮንትራት ብምቁራፅ ሰራሕተኛታት ከምዝንከዩን አቲ ኣጠቓላሊ ምንቅስቓስ ከምዝህሰን ወሲኾም ገሊፆም።

ንሶም ወሲኾም ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ለበዳ ግብረመልሲ ኣብ ምሃብ ዘንጊዑ'ዩ ንዝብል ነፂጎምዎ ኣለው።እቲ ለበዳ ኣብ ዝጀመረሉ ሓደ ጥሪ ዓለምለኸ ክኢላታት ናብ ዊሃን ከምዝተልኣኹ ይሕብሩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ብምትሕብባር መሰረታዊ ዝኾኑ ቀረባት ናውትን መከላኸሊን ብኣዲስ ኣበባ ኣቢሎም ንኣፍሪቃ ምቕራብ ጀሚቃ።

ንሰበስልጣን ጥዕና ካልእ ስግኣት ኮይኑ ዘሎ ቅልውላው ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሕማማት ዝህልዎ ተፅዕኖ እዩ። ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ጊኒ፣ኢትዮጵያ፣ደቡብ ሱዳንን ቻድን ካብ መጋቢት ክሳብ ሰነ ብወፍሪ ዝካየድ ተታሒዙ ዝነበረ ክታበት ሕማም ኣልሚስት ድሮ ጠጠው ኣቢለንኦ ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG