ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ቓዛ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10 ደቓይቕ ሓደ ህፃን ይቕተል ኣሎ" ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም


ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 10 ደቓይቕ ሓደ ህፃን ይቕተል ኣሎ ክብሉ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብዓርቢ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ተዛሪቦም።

ኣብ ቓዛ ካብ ዝርከባ 36 ሆስፒታላት ፍርቀን ከምኡ እውን ክልተ ሲሶ ማእኸላት ጥዕና ይሰርሓ የለዋን፤ እተን ዝሰርሓ ዘለዋ ድማ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ይሰርሓ ኣለዋ ኢሎም።

"መተሓላለፊ ኮሪደራት ሆስፒታላት ብቑሱላት ፣ ብሕሙማትን ኣብ ኣፍ ሞት ብዝርከቡን ሰባት ዓቕሉ ፀቢቡዎ ኣሎ። መጥባሕቲ ብዘይካ መደንዘዚ ይካየድ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ተመዛቢሎም ኣብ ሆስፒታላት ኣዕቒቦም ኣለው’’ ክብሉ 15 ኣባላት ንዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ተዛሪቦም።

ንሶም ወሲኾም "ብገምጋም ኣብ 10 ደቓይቕ ሓደ ቆልዓል ይቕተል ኣሎ’’ ኢሎም።

ኣብ እዋን ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝዓበየ ሰብ ዝዘከሩ ዶክተር ቴድሮስ ህፃናት ቓዛ ይሓልፉዎ ዘለው ኩነታት ከምዝርድኡ ሓቢሮም።

ዶክተር ቴድሮስ ካብ 7 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ቓዛን ምዕራብ ገማግምን ልዕሊ 250 ኣብ እስራኤል ድማ 25 መጥቓዕትታት ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ምፍፃሞም ውድብ ጥዕና ኣረጋጊፁ ኣሎ ኢሎም ። እስራኤል ሓማስ ኣብ ትሕቲ እቶም ሆስፒታላት ኣብ ዝርከብ ታነላት ኣፅዋር ተሓቢኡ'ሎ ይብል። ሓማስ ግን ነቲ ኽሲ ኣይቅበሎን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG