ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ህጹጽ ሓደጋ ጥዕና ኮቪድ19 ምብቃዑ ገሊጹ


ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ልዕሊ 6.9 ሚልዮን ህዝቢ ዓለም ዝቐተለ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ህጹጽ ሓደጋ ጥዕና ምዃን ካብ ሎሚ ዓርቢ 5 ሚያዝያ ምብቃዑ ኣፍሊጡ። እዚ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ከም ህጹጽ ናይ ጥዕና ኵነት ኰይኑ ክሳብ ሎሚ ዝጸንሐ ለበዳ፡ ላዕለዋይ ኮሚተ ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ’ዩ ነዚ ውሳነ ሎሚ ወግዓዊ ገይሩ።

ዳይረክተር እቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ነቲ ለበዳ ካብ ህጹጽ ሓደጋ ጥዕና ምእላዩ ግን እቲ ሕማም ፈጺሙ ለጊሱ ከም ዘየስምዕ ወሲኹ ሓቢሩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ንለበዳ ኮቪድ19 30 ጥሪ 2020’ዩ ዓለማዊ ሓደጋ ጥዕና ብምባል ኣብ ህጹጽ መዝገብ ጥዕና ኣቐሚጡዎ ጸኒሑ።

ለበዳ ኮቪድ19 ኣብ መላእ ዓለም ኣዝዩ ጎዲሉ፡ ክሳብ 24 ሚያዝያ ኣብ ዝተመዝገበ ጸብጻብ ድማ፡ በቲ ለበዳ 3,500 ሰባት ምሟቶም ሮይተርስ መዝጊቡ።

XS
SM
MD
LG