ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ንክታበት ኮቪድ 19 ይመናጠላ ኣለዋ ንዝበሉወን ሃገራት ትርር ዝበሉ ቃላት ተጠቒሞም


FILE PHOTO: World Health Organization Director-General Tedros Adhanom Ghebreyesus attends a news conference in Geneva
FILE PHOTO: World Health Organization Director-General Tedros Adhanom Ghebreyesus attends a news conference in Geneva

ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ቀረባ ኣብ ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብዝፀሓፉዎ ፅሑፍ ኣብ ዙሪያ ዓለም ዝርከቡ ክታበታት ኮቪድ 19 ይመናጠላ ኣለዋ ኣብ ልዕሊ ዝበሉወን ሃገራት መረርቲ ቃላት ተጠቒሞም።

ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረየሱስ ናይ ክታበት ሃገራዊነት ‘’Vaccine Nationalism’’ ብዝብል ክታበት ዘድልየን ሃገራት እቲ ክታበት ንክረኽባ ውድብጥዕና ዓለም ንዘበገሶ ፕሮግራም COVAXኣዳኺሙዎ ኣሎ ኢሎም።ኣብ ክንድኡ ኣብ ዓለም ዝርኣይ ዘሎኩባኒያታት ኣፍረይቲ መድሓኒት ዝለዓለ ዋጋ ንዘቕርቡ ዓደግቲ ኣብ ዝሸጣሉ እዋን ሒደት ሃብታም ሃገራት ብበዝሒ እናዓደጋ ዝተረፈ ዓለም ድማ ነታ ዝተረፈት ሻማ ሻማ ክብል ድኻታት ኣብቲ ዝነበረሉ ክፀንሑ ዝገብር ዝፀንሐ ኣካይዳ እዩ ዝቕፀል ዘሎ ኢሎም።

መፍትሒ ናይቲ ለበዳ ኢሎም እቶም ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ‘'ናብታ ቀላል ምርጫ መፂኢኻ ምምቓል ወይ ዘይምክፋል’’ እዩ ኢሎም።

ኮቪድ 19 ኣብ ህንዲ ብዘተሓሳስብ ደረጃ ይውስኽ ኣሎ።ሎማዕንቲ ዓርቢ ጥራሕ ክብረ ወሰን ዝሰበረ 332,736 ሓደሽቲ ዝተትሓዙ ተመዝጊቦም ኣለው።ትማሊ ሓሙስ 314,835 ተመዝጊቦም ኣለው።

ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ኣብ ህንዲ 16 ሚሊዮን ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ኣስታት 32 ሚሊዮን ሰባት ተመዝጊቦም ኣለዎ።

ኣብ ዙሪያ ዓለም 145 ሚሊዮን ሰባት ብኮቪድ ዝተትሓዙ ልዕሊ3 ሚሊዮን ሰባት ድማ ዝሞቱ ተመዝጊቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG