ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ግጭት ሓማስን እስራኤልን መጥቃዕቲ ኣብ ትካላት ጥዕና ምፍጻሙ ሓቢሩ


ወድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ልዕሊ 237 ትካላት ጥዕና መጥቃዕትታት ከም ዝተፈጸመ እቲ 218 ኣብ ግዝኣት ፍልስጤማውያን እቲ 19 ድማ ኣብ እስራኤል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ትማሊ ሓሙስ 2 ሕዳር 2023 ንመሓውራት ዜና መግለጺ ዝሃበ ዳይሬክተር`ቲ ውድብ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ቓዛ ካብ ዝነበራ 36 ሆስፒታላት እተን 14 ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ኮይነን`የን፡ 23 ሆስፒታላት ድማ ሰብ ገዲፍወን ክወጽእ ትእዛዝ ተመሓላሊፍወን ኢሉ።

እቲ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ካብ ዝጅምር ንድሓር 217 ናይ ረድኤት መካይን ጥራሕ ከም ዝኣተዋ ዝገለጸ ዶ/ር ቴድሮስ፡ ንሰብኣዊ ረድኤት ተባሂሉ ተኹሲ ጠጠው ክብል ይግባእ ክብል ጸዊዑ።

ሓላፊ ህጹጽ ረድኤት ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ማይክል ርያን፡ ረድኤት ናብቶም ጽጉማት ንኽኣቱ ሰበ-ስልጣን ዕድል ዘይምሃቦም ነቒፉ።

ናብ ዶብ መካይን ምእታው ሓደ ነገር`ዩ፡ ናብቶም ጽጉማት ምብጽሑ ምርግጋጽ ከኣ ካልእ ነገር `ዩ ዝበለ ዶ/ር ማይክል፡ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ነዚ ምእታው ረድኤትን ውሕስነት ሰራሕተኛታት ረድኤትን ከረጋግጹ ይግባእ ኢሉ።

ኣስዒቡ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓማስ ንትካላት ጥዕና ንመሕብኢ ወተሃደራዊ ስርሒት ይጥቀመሉ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ የብሉን ኢሉ።

እቲ ሓላፊ ህጹጽ ሓደጋ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ልዕሊ መሬት ዝግበር ዘሎ ንፈልጦ ኢና ምስ ዶክተራትን ኣለይቲ ሕሙማትን ኣመሓደርቲን ንሰርሕ ኢና፡ ከምኡ ዝብሃል የለን፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝግበር ግን ክንፈልጦ ኣይንኽእል ኢና ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ ንምፍትሑ ድማ እቲ "ጎባጢ ሓይሊ" ምስ`ቶም ሰበ-ስልጣን ከባቢ ክሰማማዕ ይግባእ ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG