ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮዻ ንሩስያ ይቀፅዑ


The White House
The White House
ኣሜሪካ ነቶም ንኡክረይን ስግኣት ኮይኖምዋ ኢላ ዝገለፀቶም ሩስያዊያንን ደቂ ክሪምያን ናይ ቪዛ እገዳ ኣንቢራ።

ዋይት ሃውስ ፕረዚደንታዊ ቤት ፅሕፈት ኣሜሪካ ማለት‘ዩ፣ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ኣብ ኡክረይን ንመስርሕ ዴሞክራስን ትካላታን ዘነኣእሱ ተግባራት ፈፀምቲ ዝተባሃሉ ሰባት፣እገዳ ንክንበረሎም ኣዚዞም‘ዮም ይብል።

እቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፣ንመንግስታዊ ሃብቲ ኡክረይን ዝዘረፉ፣ወይ ንመንግስታዊ ስልጣን ዝተበለፁ ሰባት፣ዒላማ ዝገበረ‘ዩ እቲ እገዳ ይብል።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ሕብረት ኣውሮዻ፣ንሃብቲ ፕረዚደንት ኡክረይን ዝነበሩ ቪክቶር ያኑኮቭችን 18 ኣባላት ካቢነኦምን ንከይንቀሳቀስ ከምዝኣገደ ተፈሊጡ።

28 ኣባል ሃገራት ዝሓቆፈ እቲ ሕብረት ናብ‘ዚ ብርክ‘ዚ ዝበፅሑ፣ሎሚ ሓሙስ ንገንዘብ መንግስቲ ኡክረይን ዝሰረቁን ተሓተቲን ንዝበሎም ሰባት ክቅፅዑ ይግባእ ዝብል ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ‘ዩ።

ወዲ ፕረዚደንት ያኑኮቭች፣ምንስትር ፍትሒ ነበርን ካልኦት ሚንስቲራትን እውን፣በቲ ውሳነ ተለኪሞም‘ዮም።
XS
SM
MD
LG