ምምሕዳር ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ንምስጓግ ዘኻየዶ ስጉምቲ ከተግብር ተዳልዩ’ሎ።
ካብ ሃገራዊ ደሕንነት ኣሜሪካ ዝወጸ ሓድሽ መምርሒ ዝተረረ ሕግታት ኢምግሬሽን ዘተግብር’ዩ።
ወሃቢ ቃል ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ሲን ስፔንሰር ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ይብሉ።
“ሓድሽ ዝወጸ መምርሒ ብዛዕባ ውሳኔ ጸጥታ ዶባትን ትግባረ ሕግታት ኢምግሬሽንን ሃገራዊ ደሕንነት፡ ኣብ ምውሓስ ደቡባዊ ዶባት እታ ሃገርን ዘይሕጋዊ ስደትን ደው ንምባልን ኣብ ቅልጡፍ፡ጽኑዕን ሰብኣዊ ኣገባብ ምስጓግ ዘይሕጋዊያን ነበርቲ ክውስዱ ዘለዎም ስጉምትታት መምርሒ ዝህብ’ዩ።”
እዚ ሓድሽ ዝወጸ መምርሒ ብዛዕባ ፍጥነት መስርሕ ምስጓግ፡ ቁጽሪ ብቀዳምነት ክስጎጉ ዘለዎም ሰባትን ኣበርኽቶ ዞባዊ ኣኽበርቲ ሕጊ ብዓሙቕ ይዝርዝር።
ብተወሳኺ ኣብ ስራሕ ምትግባር እዚ ሓድሽ መምርሒ ኢምግሬሽን ዝነጥፉ 15,000 ሰባት ክቆጸሩ ምኻኖም ይግለጽ።
እዚ ሓድሽ መምርሒ ነቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ብፕረዝደንት ትራምፕ ካብ ሸውዓተ ሃገራት ናብ ኣሜሪካ ስደተኛታት ከይኣትው ዝኽልኽል ናይ መገሻ እገዳ ብቤት ፍርድታት እታ ሃገር ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽንሑ ዳግማይ ተራእዩ ብፕረዝደንት ትራምፕ ክፍረምሉ ኣብ ዝዳልወሉ ጊዜ’ዩ ወጺኡ።
ኣቐዲሙ ዝሓለፈ ውሳኔ እገዳ ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዘላዓለ እንተኾነ ዋይት ሃውስ ግን ፕረዝደንት ትራምፕ ነቲ ውሳኔ ኣይቕይርዎን እዮም ይብል።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።