ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ግብፂ ንዝወሰዶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዋይት ሃውስ ኣውጊዙዎ


The White House
The White House
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ መሰጋገሪ መንግስቲ ግብፂ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ ካብ ስልጣኖም ዝተባረሩ ንዝወሰዶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዋይት ሃውስ ብትሪ ኣውጊዙዎ።

ፕሬዝዳንት ኦባማ ንዕረፍቲ ኣብ ዝገሹላ ክፍለ ግዝኣት ማሳቹስተስ ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ጃሽ ኤርነስት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ዩናይትድ ስቴትስ ንሓይልታት ፀጥታ ግብፂ ትዕግስቲ ንኽገብሩ ደጋጊማ ምፅውዓ ሓቢሮም።ኣባላት ስድርኦም ንዝተቐተሉዎምን ንዝቖሰሉዎምን ሓዘኖም ከምዝገለፁ’ውን ኣብቲ መግለፂ ጠቒሶም።እስላማዊያን ተቓወምቲ ሰልፎም ሰላማዊ ንክኸውን ደጊሞም ፀዊዖም።

ናይ ኣውሮፓዊያን ሓይልታት እውን መንግስቲ ግብፅን እስላማዊያን ተቓወምትን ምጉህሃር ህውከት ብምውጋድ ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ክምለሱ ፀዊዖም ኣለው።

ደንጉዩ ብዝበፅሐና ዜና ድማ ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣብዝተልዓለ ህውከት 149 ሰባት ከምዝተቐተሉን ልዕሊ 1,400 ድማ ከምዝቖሰሉን ምንስቴር ጥዕና ግብፂ ኣፍሊጡ። እስላማዊ ሕውነት ግን ቁፅሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ኣሽሓት እዮ ይብል።

መንግስቲ ንሓደ ወርሒ ዝፅንሕ ህፁፅ ግዜ ኣዋጁ’ሎ።ኣብ ከተማ ካይሮን ኣብ ብርክት ዝበላ ኣውራጃታትን ናይ ለይቲ ስዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ’ሎ።መራሕቲ እስላማዊ ሕውነት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ኣለው።

ናይ ግብፂ ምኽትል ፕሬዝዳንት መሓመድ ኤል-ባራዳይ ንዘይሰማምዕሎ ውሳነታትን ሳዕቤኖምን ሓላፍነት ኣይወስድን ኢሎም ካብ ሓላፍነቶም ወሪዶም ኣለው።
XS
SM
MD
LG