ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢቫንካ ትራምፕ ኣብ ክንዲ ፕረ.ትራምፕ ኣብ ዋዕላ ጉጅለ 20 ምስታፋ ዝቐረበ ነቐፌታ ዋይት ዋውስ ነጺግዎ’ሎ


ፕረዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጀርመን ሃምበርግ ኣብ ጉባኤ ብቑጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብ ዝተሳተፍሉ እዋን ኣብ መንጎ ስሩዕ ስርሖምን ስድርኦምን ዘሎ ዘይፀረየ መስመር ሓደ ዘይትሓስበ ሳዕቤን ኣልዒሉ’ሎ።ጓሎም ኢቫንካ ትራምፕ ኣብ ሓደ ኣኼባ እቲ ጉባኤ ንፕረዝዳንት ወኪላ ወንበር ሒዛ ብምስታፋ ምስሕሓብ ፈጢሩ’ሎ።

ጉባኤ ጉጅለ 20 ንዋይት ሃውስ ዝተፈለየ ፍፃመ ኣይነበረን።ሓላፊ ዋይት ሃውስ ሬይንስ ፕሪበስ ኣወንታዊ ውፅኢቱ ብምጉላህ ከምዚ ይብሉ።

“እቶም ፕረዝደንት ኣብ ኣውሮጳ መድረኽ እዮም ፈጢሮም።መራሕቲ ጉጅለ-20 ናብቶም ፕረዝደንት እዮም መፂኦም።ኣብ ሃምበርግ ኮኾብ እዮም ኮይኖም።ነዚ ሓቂ እዚ ዋላ ሓደ ሰብ ክልውጦ ኣይክእልን።እቲ ቀንዲ ቁምነገር ኣሜሪካ ኣብ ቅድሚት ይሰርዑዋ ኣለው።”

ርእይቶ ገለ ሰባት ግን ፕረዝደንት ትራምፕ ንስድኦም’ዮም ቅድሚት ይሰርዑ አለው፡ብ ውሑዱ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ዝኾኑ ኣኼባታት ጉጅለ-20 ንዝተወሰነ ግዜ ብምስታፍ ንጓሎም ወኪሎምዋ ብዝብል ይንቀፉ ኣለው።

ብዛዕባ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ዝዝትይ ኣኼባ ኢቫንካ ኣብ ናይ ፕረዝድነት ትራምፕ ወንበር ከምዝተቐመጠት ብናይ ሩሲያ ልኡኻት ዝተፅሓፈ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ዝገለፀ ክኸውን ከሎ እቲ መልእኽቲ ሽዑ ንሽዑ ተሰሪዙ።

ነቐፍቲ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምጥሓስ ናይ ዲፕሎማሲ ፕሮቶኮል እዩ ይብሉ።ሚንስትር ገንዘብ ኣሜሪካ ዝነበሩ ላውረንስ ሳመርስ ኣብ ጋዜጣታት ፋይናንሻል ታይምስን ዋሽንግተን ፖስትን ኣብ ዝጸሓፉዎ ነቐፌታ “ዓባይ ጓል ሓደ መራሒ መንግስቲ ንወንበሩ ኣብኡ ክትወስድ ተራእዩ ዘይፈልጥ፣ንካልኦት ፀርፊ እዩ፤ንላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ስልጣኖም ዘትሕት እዩ’’ ኢሎምዎ ኣለው።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሶኑይ ብናይ ቲዊተር መልእኽቶም ነዚ ተኸላኺሎም ኣለው።ነቲ ጉባኤ ዘተኣናገዳ መራሒት መንግስቲ ኣንጌላ መርኬል እውን ተኸላኺለን ኣለዋ።

“እቶም ፕረዝደንት ኣብቲ ኣኼባ ዘይሳተፉ እንተኾይኖም ኣብ ክንድኦም መን ይቀመጥ ባዕሎም እቶም ልኡኻት እዮም ዝውስኑ።ኢቫንካ ትራምፕ ኣካል ልኡኽ ኣሜሪካ እያ።ካልኦት ልኡኻት እውን ከምኡ ይገብሩ እዮም።ኣብ ዋይት ሃውስ ከምእትሰርሕን ኣብ ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ከምትሳተፍን እውን ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።”

ወሃቢት ቃል ዋይትሃውስ ሳራ ሃካቢ ሳንደርስ ብወገነን ኣብ ልዕሊ ኢቫንካ ንዝቐርብ ነቐፌታ “ዘሕርቕ መጥቓዕቲ” ክብላ ብምግላፅ ኢቫንካ በቲ ደረጃ ምክፋላ ኩላትና ክንኾርዐሉ ዝግብኣ እዩ ኢለን ኣለዋ።

ጓሎም ንፕረዝደንት ትራምፕን ሰብኣያ ጃረድ ኩሽነርን ወግዓዊ ኣማኸርቲ ፕረዝደንት ትራምፕ እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG