ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘’ኣደይ ደም እናነብዐት፣ሓወይ ተቐቲሉ ናብ ገደል እናተደርበየ፣እርምቲ ሓፍተይ ግዕዙያት እናደፈሩዋ ታሕጓስ ክስምዐኒ ዓቕሚ ይሓፅረኒ’' ኣርቲስት ኢሳያስ ታደሰ


ኢሳያስ ታደሰ ኣብ ከተማ ውቕሮ ተወሊዱ ዓብዩ።ካብ ቀዳማይ ክሳብ 12 ክፍሊ ኣብ ትሽዓተ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተምሃረ ይግለፅ።ወለዱ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብምዃኖም ተንቀሳቐስቲ ብምንባሮም ካብ ቀዳማይ ክሳብ 12 ክፍሊ ኣብ ትሽዓተ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተምሃረ ይገልፅ።ኣብ ሓዲኡ ሓደ ሰሚስተር ኣብ ገሊኡ ድማ ሓደ ሰሚስተርን ንላዕልን እናኸደ።ኣብ ዩኒቨርስቲ ጂማ ብስቪል ምህንድስና ተመሪቑ ኣብ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ተዋፊሩ ይሰርሕ።ጎኒ ንጎኒ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብፊልም ፕሮዳክሽን ክልኣይ ድግሪ ወይ ማስተርስ ዲግሪ ተምሪቑ፣ሕዚ እውን ናይ ፍልስፍና ተምሃራይ እዩ።

18 መጋቢት 2020 ዓ\ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበረ ስነስርዓት ሽልማት ‘’ጉማ ፊልም’’ካብ ናይ ሓፂር ፊልም ምድብ ብሉፅ ተባሂሉ ናይዚ ዓመት ተዓዋታይ ኮይኑ ተሸሊሙ። ‘’ቀብድ’' ዘርእስታ እዛ ናይ ኣምሕርኛ ፊልም ፈላሚትን ብሕታዊትን ፊልም ውፅኢት ስርሑ እያ።’'ትግራዋይ’’እትብል ሓንቲ ደርፊ እውን ኣብ ቀረባ ኣውፂኡ ኣሎ።ኣብቲ መድረኽ ብትግርኛ ዘስምዖ ሓፂር መደረ መዘራረቡ ኮይኑ እዩ።

ኣብቲ ናይ ኣምሓርኛ መድረኽ ብትግርኛ ዝተዛረቦ ሓፂር መደረ ‘’ኣብዚ ዓብይ መድረኽ እዚ ብሉፅ ስራሕ ሰሪሕካ ተባሂለ ክሽለም እንተለኹ ዓብይ ክብርን ታሕጓስን ክስምዐኒ ምተገብአ’’ ምስ በለ ከምዚ ኢሉ።’’ይኹንድኣምበር ኣደይ ደም ንብዓት እናነብዐት፣ሓወይ ተቐቲሉ ናብ ፀድፊ እናተደርበየ፣እርምቲ ሓፍተይ ግዕዙያት እናደፈሩዋ ኣብዘላትሉ ግዜ ታሕጓስ ክስምዐኒ፣ክብሪ ክስምዐኒ …ዓቕሊ ይሓፅረኒ’'ኢሉ።ብምቕፃል ‘'ንብዓት ኣደይ እንትሕበስ፣ክብሪ ዓደይ እንትምለስ ከርክበሉ እየ’’ብምባል ሰላምን ራህዋን ንኩሉ ተመኒዩ ኣርቲስት ኢሳያስ።

ኣብቲ መደረኽ ብትግርኛ ዝመረፀሉ ምኽኒያት ክዛረብ ከሎ ትግርኛ ‘’ናይ ልበይ ምስ ናይ ልቢ መዛርብተይ ዝኾነ ንምግላፁ ኣብ ዘፀግም ሓዘን ምስ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ንምዝራብ እዩ’’ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝትኡኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG