ትማሊ ሰሉስ ንእማመ ወሰኽ ግብሪ ንምቅዋም ኣብ ፓርላማ ኬንያ ድሕሪ ዝተራእየ ጎነጻዊ ተቓውሞ፡ ኬንያ ኣብ ቃራና መንገዲ ትርከብ። በብእዋኑ ክተኣኻኸብ ዝጸንሐ ተቓውሞ፡ ሓይሉ ወሲኹ ተሰለፍቲ ንፓርላማ እታ ሃገር ክቆጻጸሩ ድሕሪ ዝገበሩዎ ተደጋጋሚ ፈተነ፡ ፖሊስ ብሓይሊ ብረት’ዩ ምላሽ ሂቡ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ኣብቲ ጎንጺ 22 ሰባት ሞይቶም። ሓደ በዓል መዚ ሆስፒታል ኬንያታ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ከም ዝሓበሮ ድማ ኣብቲ ሕክምና 160 ዝበጽሑ ህሩማት ዝተፈላለየ ሕክምናዊ ሓገዝ ተገይሩሎምን ይግበረሎም ኣሎን። ክንደይ ሰባት ከም ዝተኣስሩ ዛጊት ኣይተንጸረን።
ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ በቲ ክስተት ዝተሰምዖ ጓሂ ብምግላጽ፡ ሰብ-መዚ ኬንያ ኣብ ኣተሓሕዛ ጥንቃቐ ክገብሩን ተሰለፍቲ ድማ ሓሳባቶም ብሰለማዊ መንገዲ ክገልጹን ተማሕጺኑ።
ተሰለፍቲ ኣብ በበይኑ ወገናት ከተማ ናይሮቢ ክዝርፉ፡ ኣብ ካልእ ከተማታት ድማ ክሳብ ምቅጻል ኣባይቲ ዝኸደ ናይ ቍጠዐ ምልክት ኣርእዮም።
ሓያሎ ኬንያውያን ብሰንኪ ዝንህር ዘሎ ዋጋታት መነባብሮ ድሮ ከቢድ ቅሬታ ጸኒሑዎም’ዩ። ከምኡ እናሃለወ፡ ኣብ ዋጋታት ባኒን መካይን ግብሪ ክውስኽ ምዃኑ ድሕሪ ምፍላጡ ድማ ቀንዲ ነቶም መንእሰያት ኣቖጢዑ። እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ብመንእሰያት ዝተመርሐ ኰይኑ መብዛሕትኡ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቲክቶክ፡ ኤክስን ኢንስታግራምን’ዩ ዝያዳ ተወዓውዒዑ።
ድሕሪ ዝሰዓበ ከቢድ ተቓውሞ፡ መንግስቲ ንገለ ካብቲ ፈለማ ኣሚሙዎ ዝነበረ ምውሳኽ ግብሪ ስሒቡዎ’ዩ። ሕቶ ተሰለፍቲ ግን ንዅሉ ክስረዝ ዝጠልብ’ዩ።
ዝቐጸለ መደብ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዛጊት ኣይተነጸረን። ሎሚ ረቡዕ ተዛማዲ ዕረፍቲ ተራእዩ ውዒሉ። ኣወሃሃድቲ ሰልፊ ንጽባሕ ሓሙስ ካልእ ሰለማዊ ሰልፊ ጸዊዖም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ሩቶ ካብቲ ፈለማ ዘንቀሎ መደባት፡ ድሕሪ’ቲ ሓያል ተቓውሞ’ውን ሓሳባቱ ዝልውጥ ኣይመስልን። ትማሊ ሰሉስ ኣማስያኡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቶም ተሰለፍቲ “ገበነኛታት” ኢሉ ብምጽዋዕ፡ ምምሕዳሩ ንኸምኡ ዝመስል “ሕጊ-ኣልቦነት” ኢሉ ዝጸውዖ ተበግሶ ከም ዘይጸውር ኣጠንቂቑ።
መንግስቲ ነቲ ተቓውሞ ንምዕባስ ወታሃደራት ኣሰሊፉ ኣሎ። እዚ ተበግሶ ምናልባት ነቲ ቀጥታዊ ተቓውሞ ክገትኦ ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ዘዘራረቦም ተንተንቲ ይእምቱ።
ሰሉስ ኣብ ደገ ሓያል ተቓውሞ እናተኻየደ፡ ፓርላማ እታ ሃገር ንወሰኽ ግብሪ ዝእምም ረቂቕ ኣጽዲቑ፡ ናብ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ የሕሊፉዎ ኣሎ። ፕረዚደንት ሩቶ ግን ገለ ምምሕያሽ ንኽግበረሉ ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ሎሚ ከም ዝመለሶ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ክግበር ዝተባህለ ምምሕያሻት እንታይ ምዃኑን ክሳብ ክንደይ ክልውጥ ከም ዝኽእልን ግን ኣይተፈልጠን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ