ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋይት ሃውስ ፕረ.ትራምፕ ኣብ ሶርያ ዘለው ሰራዊት ኣሜሪካ ክወጹ ኣብ ውሳነኦም ከምዘለው ኣፍሊጡ


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ሶሪያ ዝወፈሩ ወታደራት ኣሜሪካ ንምስሓብ ኣብ ውሳንኦም ከምዘለው ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ።እዚ ዝኸውን ዘሎ ናይ ፈረንሳይ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ሓይልታት ኣሜሪካ ኣብ ሶሪያ ክፀንሑ ንትራምፕ ኣእሚነዮም ኣለኹ ዝብል መልእኽቲ ድሕሪ ምዝርግሑ እዩ።

ማክሮን ትማሊ ሰንበት BFM ንዝተባህለናይ ፈረንሳይ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃብዎ ቃል’’ቅድሚ 10 መዓልታት ፕረዚደንት ትራምፕ ‘ኣሜሪካ ካብ ሶሪያ ክትወፅእ ኣለዋ’ይብሉ ነይሮም ኣብታ ሃገር ንንውሕ ዝበለ እዋን ምፅናሕ ኣገዳሲ እዩ ዝብል እሚናዮም ኣለና’’ክብሉ ተዛሪቦም ኣለው።

ማክሮን ሎማ ሶኑይ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ግን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሶሪያ ኣንፃር ዳዕሽ ይካየድ ዘሎ ግጥም ንምዝዛምን መስርሕ ሰላም ንምሕጋዝን ወሲነን ኣለዋ ንምባል ደልየ እየ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG