ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም 30 ሚልዮን ሃገራት ትሕቲ ሳሃራ ንጥምየት ዝተቓለዐ’ዩ ኢሉ


ዓለም-ለኸ ፕሮግራም መግቢ አስታት 30 ሚሊዮን ህዝቢ ትሕቲ ሰሃራ ሃገራት አፍሪቃ ውሕስነት መግቢ የብሉን እዚ ማለት ድማ ዕለታዊ መግቢ ምርኻቡ የጠራጥር ማለት’ዩ ኢሉ።

እቲ ፕሮግራም ብተወሳኺ እቲ ኩነታት ክሳብ ዝቕጽል ቀውዒ ዝቕጽል ምዃኑ ይገልጽ።

ገለ ኣውራጃታት ደቡብ አፍሪቃ ዝኸፍኣ ብደርቂ ዝተጠቕኡ ቦታታት ተባሂሎም ተጠቒሶም አለው። ሕጽረት መግቢ ድማ አብ መላእ’ታ ሃገር የስግእ አሎ።

ዴቪድ ኦር ምስ ዓለም-ለኸ ፕሮግራም መግቢ ዝሰርሕ ኮይኑ ካብ ጆሃንስበርግ ብስካይብ አብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ማላዊን ዚንባብወን በዚ ኩነታት ብዝኸፍአ ዝተጠቕአ ሃገራት ምዃነን ይጠቕስ።

‘ነዘን ሃገራት ንምሕጋዝ ብሚሊዮናት ዶላራት ዝቁጸር ሓገዝ የድልይ። ንአብነት አብ ዝንባብወ 55 ሚሊዮን ዶላር የድልይ። 50 ሚእታዊት ናይዚ ሓገዝ ረኺብና’ኢና። ብጣዕሚ አሸጋሪ’ዩ። እቲ ዝዓበየ ብድሆ ንዓለም-ለኸ ፕሮግራም መግቢ ጥራይ ዘይኾነ ንኹለን ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት አብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዘሎ ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮ ጉዳያት’ዩ። አብ ሶርያ፡ ኢራቕ፡ ደቡብ ሱዳንን የመንን፡ ኩለን ዓቢ ሰብዓዊ ሓገዝ ዘድልየን ሃገራት’የን ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG