ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኣብ ዓመተ 2017 ንዘጋጠመ ሓደጋ ጥምየት ብግቡእ ንምብዳህ ኣይተኻእለን" ፕሮግራም መግቢ ዓለም


ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝረአ ዘሎ ልዑል ምዝንባል ሰባት: ኣብ ዓመተ 2017 ንዘጋጠመ ሓደጋ ጥምየት ብግቡእ ንምብዳህ ከምዘይተኻእለ ሓቢሩ ።

በመሰረት ጸብጻብ እቲ ትካል ካብ 815 ሚልዮን ሓደጋ ጥምየት ዘንጸላለዎም ሰባት 489 ሚልዮን ግጭት ኣብ ዘለዎ ቦታ ዝርኸቡ ምዃኖም ይገልጽ።

ኣብዚ ዓመት'ዚ ሓደጋ ጥምየትን ዝያዳ ዝተራእየለን ኣርባዕተ ሃገራት ምዃነን ዝሓበረ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ልዑል ሰብኣዊ ሓገዝ ንኩነታት እዘን ሃገራት እንተመሓየሾ'ዃ እቲ ሓደጋ ዳግማይ ኣብ ካልእ ከባቢታት ክረአ ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ከምዘሎ ኣይሓብኣን።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ክሳብ ሕጂ 6.8 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ካብ ሃገራት ኣሜሪካ:ሕብረት ኣውሮጳ:ጀርመን: ብሪጣንያ: ካናዳ: ጃፓንን ሕቡራት ሃገራትን እንተረኸበ ብሰንኪ ዝርጋሓ እቲ ሓደጋን ኣብ ከም የመን: ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ: ኬንያ: ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ዘሎ ኩነታት እቲ ትካል መጠን ሓገዝ ከጉድል ከምዘገደዶ ይገልጽ ።

እቲ ትካል ብተወሳኺ ኣብዚ ሓድሽ ዝጅመር ዓመተ 2018 ስርሑ ብግቡእ ንምስራሕ ተወሳኺ ሓገዝ: ናብቲ ቦታ ሓደጋ ንምብጻሕ ምኽኣልን ብፍላይ ድማ ሰላም ከምዘድልይ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG