ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ሓገዝ መግቢ ምሃብ ጀሚሩ


ፕሮግራም መግቢ ዓለም(WFP) ሓለዋን ቁፅፅርን ስርሒታት ምሉእ ብምሉእ ምስ ተዓረየ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኣስታት 900,000 ስደተኛታት መግቢ ምዕዳል ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ሪፖርት ምጥፍፋእ ረድኤት ኣብ ወርሒ ሰነ ምውጽኡ ሓገዝ ደው ኣቢሉ ዝጸንሓ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንመጀምርያ ጊዜ ካብ ሱዳን ሓደሽቲ ዝኣተው ስደተኛታት ሓዊሱ ኣብ ሓሙሽተ ክልላት ኣብ ዝርከቡ መዕቖቢ ስደተኛታት መግቢ ምሃብ ጀሚሩ'ሎ።

‘’ሰራሕተኛታት'ቲ ትካልን መሻርኽትን መግቢ ንዘድልዮም ክበፅሕ ኣብ ምርግጋፅ ብዕቱብ ክንሰርሕ ፀኒሕና ኢና’’ ዝበላ ምኽትል ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቫለሪ ጓርኒየሪ "ኣብ ትሕቲ ዘይግመት ኩነታት ይነብሩ ንዘለው ስደተኛታት መግቢ ህይወት እዩ’’ኢለን።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰደዱ ኣስታት 35,000 ሰባት ህፁፅ ረድኤት የድልዮም። ኢትዮጵያ ካብዚ ብተወሳኺ መብዛሕቲኦም ካብ ሶማል፣ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን 850,000 ስደተኛታት ኣዕቑባ ትርከብ። ኣብ ክልላት ሶማሊያ፣ጋምቤላ ፣ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ኦሮሚያን ደቡብን ንዝርከቡ ስደተኛታት ረድኤት ምሃብ ቀፂሉ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG