ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ብምኽንያት ኣመጋግባ ጉድለት በብዓመቱ ቢልዮናት ዶላር ትስእን ከምዘላ ተገሊፁ


ኢትዮጵያ ብምኽንያት ጥምየት በብዓመቱ ብቢልዮናት ዝቑፀር ዶላር ትስእን ኣላ ይብል ሓደ ሓድሽ ዝወፀ መፅናዕቲ።እቲ ብኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ፣ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ትካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተመርሐ መፅናዕቲ ጉድልት ኣመጋግባ ብምቕናስ፣ንዝጠፍእ ህይወት ብምድሓን ንናይ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ኣብ ምምዕባል ክሕግዝ እዩ ይብል።

ኢትዮጵያ ብምኽንያት ትሑት ኣመጋግባ ህፃናት ኣብ 2009 ኣ/ፈ 4.7 ቢሊዮን ዶላር ስኢና’ላ ይብል እቲ መፅናዕቲ።እዚ ኣሃዝ እዚ 16.5 ምእታዊ ምስ ናይታ ሃገር ሓፈሻዊ እቶት ውሽጢ ዓዲ ዝመጣጠን እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሓሙሽተ ህፃናት እቶም ክልተ ብጉድለት አማጋግባ ይጥቅዑ።ካብዚኦም እቶም 80 ሚእታዊ ህፃናት ሕክምና ኣይረኽቡን ይብል እቲ ሪፖርት።ጉድለት ኣመጋግባ ልዕሊ 20 ሚእታዊ ምኽንያት ሞት ህፃውንቲ እዩ።እዚ ምጥፋእ ህይወት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዝሰርሕ ሓይሊ ሰብ ብሸሞንተ ሚእታዊ ክንኪ ገይሩዎ’ሎ ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ።

ወሃቢት ቃል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኤልዛቤት ባየርስ ጉድለት ኣመጋግባ ኣብ ናይታ ሃገር ቁጠባ ዓብዪ ዕንቅፋት እዩ ይብላ።ትሑት ኽብደት ናይ ዘለዎም ህፃውንቲ ብሓሙሽተ ሚእታዊ እንተድኣ ነኪያን ዕብየቶም ይህሰ ናይ ዘለው ህፃውንቲ ናብ 10 ሚእታዊ እንተወሪዳቶን ለን ንሰን ‘’ኢትዮጵያ ኣብ 2025 12.5 ቢሊዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ክተድሕን ትኽእል እያ።’’

ኣብ ቀዳማይ ደርጃ ቤት ትምህርቲ ጉድለት ኣመጋግባ ዘለዎም ህፃውንቲ ካብቶም ዘይብሎም ትምህርቲ ናይ ምድጋም ዕድሎም ዝዓበየ ከምዝኾነ እቲ ሪፖርት ይሕብር።ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ጉድለት አመጋግባ ዘለዎም ህፃውንቲ ትምህርቶም ናይ ምቁራፅ ዕድሎም ዝዓበየ እዩ ይብል እቲ ፀብፃብ።

ብጉድለት አመጋግባ ዝፍጠር ሽግር ኣብ ነዊሕ እዋን እውን ኣብቲ ውልቀሰብ ይኹን ኣብ ኣብቲ ሕብረተሰብ ነዊሕ ዝፀንሕ ሳዕቤን ኣለዎ ይብላ ባየርስ።ኣብ ኢትዮጵያ ናብ 70 ሚእታዊ ዓብየቲ ብህፃንነቶም ብጉድለት ኣመጋግባ ከምዝተጠቕዑ ይሕብር እቲ ሪፖርት።እዚ ማለት ድማ 26 ሚሊዮን ሰባት ክንድቲ ክሰርሑዎ ዝግባእ ንኽየሰርሑ ዕንቅፋት ይኾኑዎም’ሎ።

ብቁልዕነቶም ብጉድለት ኣመጋግባ ዝተጠቕዑ ሰባት ንእስ ዝበለ ተኽለ ሰብነት ስለዝህልዎም ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ንምስራሕ ከምዝፅገሙ እቲ መፅናዕቲ ይሕብር። እዚ ማለት ድማ ኣታዊኦም ከምዝውሕድ፣ካብ ስራሕ ናይ ምቡኳር ዕድሎም ከምዝውስኽን ከም ውፅኢት ድማ ኣፍራይነቶም ከምዝትሕትን የረድእ።

ጉድለት አማጋግባ ኣሉታዊ ተፅንዕኖ ስለዘለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ፀገም እዚ ንምግታእ ናይ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ሃገራዊ ፕሮግራም ኣመጋግባ ኣብ ቀረባ ምጅማሩ ባየርስ ይገልፃ።
እቲ ብናይ ቀረባ ምትሕብባር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዝካየድ ናይ መንግስቲ መደብ ደጋፊ ምግቢ ብምሃብን ቪታምን ዘልዎ ምግቢ ብምቕራብን ንህፃንውቲ ይምግብ።’’ካብ እዋን ጥንሲ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዘሎ 1,000 ማዕልታት እዞም ህፃናት እዚኦም እኹል ንጥረ ነገራትን ቪታሚናትን ይረኽቡ።’’

እቲ ክልተ ዓመትን ፈርቓን ዝውድእ ፕሮግራም ኣብ ቤት ትምህርት ናይ ዝቐርብ መጠን ምግቢ ክውስኽ ከምዝገብር እውን ባየርስ ይገልፃ።ኣስዒበን ድማ ንነፍሰ ፁራትን ዘጥቡዋን ደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዙ ፕሮግራማት ኣብ ማእኸላት ጥዕናን ሆስፒታላትን ክጠናኸሩ እዮም ኢለን።
XS
SM
MD
LG