ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከባቢ ኦጋዴን ንልዕሊ ወርሒ ተታሒዞም ዝፀንሑ ክልተ ሰራሕተኛታቱ ከም ዝተለቁ ፕሮግራም ምግቢ ሕቡራት መንግስታት አረጋጊፁ


ኣብ ኢትዮጵያ ኽሊ ሶማሌ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ተታሒዞም ዝፀንሑ ክልተ ሰራሕተኛታት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም WFP ተለቂቆም ክብል ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል አፍሊጡ።

ኣብ ክልል ሶማሌ ዝንቀሳቀስ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ONLF ሰኑይ ንኽልቲኦም ሰራሕተኛታት ንፕሮግራም ምግቢ ዓለም ከምዘረከበ ገሊፁ ኔሩ'ዩ።

ትካል ምግቢ ዓለም ሎሚ ክልቲኦም ሰባት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ስድረኦም ከምዝተሓወሱ ገሊፁ'ሎ።

ኩነታት ጥዕነኦም ንምርግጋፅ ሕክምናዊ ምርመራን ስነ-ልቦናዊ ሓገዝን ይወሃቦም ከም ዘሎ'ውን ወሃቢ ቃል'ቲ ትካል ሕቡራት መንግስታት ፋርሃን ሃክ ገሊፆም።

ቅድሚ ሽዱሽተ ሰሙናት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሌ ሓደ ሰራሕተኛ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ተቀቲሉ ኽልተ ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG