ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንሓረስቶት ኢትዮዽያ ዘርብሕ ስትራተጂ WFP ይትግበር ኣሎ - ዓብዱ ድያንግ


WFP
WFP
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ‘ዚ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ነቲ ካብ ወፃኢ ናብ ኢትዮዽያ ሸሚቱ ዘእትዎ ዝነበረ ዕፉን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ሸሚቱ ናብ ተፀበይቲ ንምብፃሕ ወሲኑ ተግብራዊ ስራሕ‘ቲ ጀሚሩ‘ሎ።

ሓደ ካብ‘ቲ ኣብ ኢትዮዽያ ይትግበር ዘሎ ኣማራፂታት፣ኣብ ናእሽቱ መርየት እናሓረሱ ዝናበሩ ሓረስቶት እኽሊ ብቀጥታ ምሽማት ዝብል ኮይኑ‘ሎ። ሎም-ዘበን ብትሻዓተ ሚልዮን ዶላር ወይካኣ ክልተ ሚልዮን ቅርሺ ዝዋግኡ 28 ሽሕ ቶን እኽሊ ሸሚቱ‘ሎ WFP።

ብዘይካ‘ዚ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮዽያ ፐርቸስ ፎር ፕሮግረስ ኢኒሽየቲቪ (ተበግሶ ሸመታ ንምዕባለ) ዝብል ፕሮግራም ኣተኣትዩ‘ሎ።

ኣብ‘ዚ መደብ’ዚ፣ውልቀ-ሓረስቶት ንምትብባዕን ፍርያማነቶም ከሐይሉ ንምግባርን ብምሩፅ ዘርኢ ድዩ ብዱኽዒ ወይካኣ ብዘመናዊ ሕርሻ ክጠናኸሩ ምብቃዕን ማለት ምኳኑ ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ጨንፈር ኢትዮዽያ ሚስተር ዓብዱ ድያንግ ገሊፆም።ቃለ-ምልልስ ምስ ሚ/ር:
ዓብዱ ድያንግ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:02 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG