ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣቋሪጽዎ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ክቕጽሎ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ


ፋይል
ፋይል

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ነቲ ኣቋሪጽዎ ዝነበረ ንኢትዮጵያ ዝውሃብ ረድኤት መግቢ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ክቕጽሎ ተስፋ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ነቲ ሓገዝ ዝቕጽል መን`ዩ ረድኤት ዝቕበል ኣብ ዝብል ዝዓበየ ምቁጽጻር ምስ ዝህልው ጥራሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ረድኤት ብሰፊሕ ይስረቕ ኣሎ ብዝብል መጀመርያ ኣብ ክልል ትግራይ ምዕዳል መግቢ ዘቋረጸ ኮይኑ ድሕሪኡ ድማ ኣብዚ ወርሒ`ዚ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ሓገዙ ከምዘቋርጽ ምፍላጡ ይዝከር።

ኣህጉራዊ ትካል ልምዓት ኣመሪካ ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ`ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ምዕዳል መግቢ ደው ኣቢልዎ`ዩ።

እንተኾነ ክልቲኦም ትካላት ረድኤት ካብ ስርቂ መግቢ ተረባሕቲ መን ምዃኖም ብግልጺ ኣይተዛረቡን።

ምኽትል ሓላፊት ጉዳይ ፖሊስን ልምዓትን፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቫለሪ ጉዋኔሪ ኣብ መግለጺኣ ኣብ ክልል ትግራይን ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲን ዝመጽእ ክፍላ ወርሒ ሓምለ ረድኤት ምዕዳል ክጅመር ይኽእል`ዩ ኢላ።

እንተኾነ መን`ዩ ረድኤት ክወሃቦ ዝግባእ ኣብ ዝብል ውሳነ፡ ከባቢያውን ክልላውን ሰበ-ስልጣን ትሑት ስልጣን ክህልዎም፡ ንሕና ድማ ኣብቲ ኣተዓዳድላ ቀጥታዊ ተሳትፎ ክህልወና ኢና ንደሊ ኢላ። ንሳ ኣስዒባ መግቢ ናብቶም ዝያዳ ተጸበይቲ`ዩ ክኸይድ ዘለዎ ክትብል`ውን ኣተሓሳሲባ።

ኣብ ኢትዮጵያ መብዛሕቲኦም ብሰንኪ ደርቅን በቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ልዕሊ 20 ሚልየን ሰባት ተጸበይቲ ረድኤት መግቢ'ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG