ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ኣብ መላእ ዓለም ዝረአ ዘሎ ግጭታት ቁጽሪ ብሓደጋ ጥምየት ዝጥቕዑ ሰባት ይውስኽ ኣሎ


ፋይል
ፋይል

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዓመተ 2016 ንዝተራእየ ጥምየት ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዘጋጠመ ግጭት ነቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓመተ 2030 ጥምየት ኣይክሕልውን ኢሉ ዝሰርሓሉ ዘሎ ጻዕርታት የተዓናቕፍ ከምዘሎ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ 795 ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ጥምየት ምቕላዖም ይገልጽ።ወሃቢት ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቤቲና ሉሸር እቲ ኣብ 2030 ዓ.ም ጥምየት ካብ መላእ ዓለም ምቅራፍ ዝብል ዒላማ ኣብ ሕጂ እዋን ክውን ኽከውን ከምዘይኽእል ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብኦ ቃል ሓቢረን።

“ ከምትፈልጥዎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓለም ዝርግርግ ኣትይዋ’ዩ ዘሎ፡ ካብ ካልእ ጊዜ ንላዕሊ ብዙሕ ህጹጽ ጉዳይ ኣሎ።ካብ ካልእ ጊዜ ንላዕሊ ልዑል ቁጽሪ ስደተኛታት ኣለው፡ ብኩሉ ማዕዝናት ድማ ሰባት ንገዛእ ርእሶም ዝምግብሉ ኩነታት ኣብ ምድላው ኣብ ቃልሲ ንርኸብ ኣለና።”

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ልዕሊ 82 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ መግብ ገንዘብን ሂቡ’ዩ። እዚ ቁጽሪ ተሓገዝቲ ብዙሕ ምኳኑ ዝተሰማምዓ ወሃቢት ቃል እቲ ትካል እዚ ሓገዝ ግን ውሑድ ምኳኑ ይገልጻ። ንሰን ብተወሳኺ ኣብ ዓለም ዝለዓሉ ዘለው ግጭታት ንስርሕ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ኣጸጋሚ ይገብሮ ምህላዎ ይገልጻ።

ብምቅጻል ንሰን ኣብ ምዕባለ ጽቡቕ ዝስጉማ ዝነበረ ሃገራት’ውን ብሰንኪ ግጭት ንድሕሪት ተመሊሰን ኣለዋ። ንደቡብ ሱዳን ብኣብነት ብምጥቃስ ድሕሪ ንኣሰርተታት ዓመታት ዝጸንሓ ኩናት ሓድሕድ ኣብ ጽባሕ ናጽነታ ምብላጻግ ደው ዘበለት ሃገር እያ ክብላ ገሊጸን።

“ኣብዚ ሕጂ እዋን ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ዳግማይ ናብ ኩናት ተመሊሶም ኣለው ኣብ ገለ ቦታታት እታ ሃገር ድማ ዳግማይ ሓደጋ ጥምየት ይረአ ኣሎ እዚ ክትኣምኖ ዘጸግም እዩ። እዞም ግጭታት ደው ክብሉ ኣለዎም” ኢለን።

ወሃቢት ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቤትሲ ሊስቸር ሓደጋ ጥምየት ንምቅላስ ድማ ገንዘብ የድልይ’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ህጹጽ እዋን ሓገዝ ዘድልዮም ሃገራት ኣብ ዝበዝሕሉ እዋን ድማ ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም እንዳጠፍአ ይኸይድ ኣሎ ድሕሪ ምባል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት የመን፡ሶማል፡ደቡብ ሱዳን ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ዘስፋሕፍ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ንምምካት ሓደ ቢልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ የድልዮ ኣሎ።

ካብ ዓለምለኸ ሓገዝ ወሃብቲ ሓገዝ ከይተረኽበ ብጥምየት ንዝሞቱ ዘለው ሰባት ምሕጋዝ ድማ ብጣዕሚ ኣጸጋሚ’ዩ ክብላ ወሲኸን ገሊጸን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG