ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ብዝተላዕለ ግጭት 61 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ቅትለትን ናይ ተቓውሞ ሰልፊን ዕለታዊ ዝስማዕ ዘሎ ተግባራት ኮይኑ’ሎ።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ወረዳታት ሃዊ ጉዲናን ዳሮ ለብን 29 አባላት ማሕበረሰብ ኦሮሞ ከምኡ’ውን 32 አባላት ማሕበረሰብ ሶማሌ ከምዝተቐትሉ ኣብ መንጎ አካላት መንግስቲ ክልቲኣን ክልላት ምፍጣጥ ከምዘሎ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝወጹ ሓበሬታታት ይሕብሩ።

ክልቲኦም ክልላት በቲ ተግባር ሓደ ነቲ ሓደ ክኸስስ ከሎ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ነቲ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ሶማሌ ዝተፈጸመ ቅትለት ጅምላዊ ቅትለት እዩ ኢሎም ኣለው። ኣብ ክልል ኦሮምያ’ውን ተቓውሞ ንዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዓመት ክኻየድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ብዝተላዕለ ግጭት 61 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:28 0:00

XS
SM
MD
LG