ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራብ ጎንደር ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 12 ሱዳናውያን ስደተኛታት ቆሲሎም


ኩመር መዓስከር ስደተኛታት - ኢትዮጵያ (ፋይል)
ኩመር መዓስከር ስደተኛታት - ኢትዮጵያ (ፋይል)

ኣብ ምዕራብ ጎንደር፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ መዓስከራት ኣውላላን ኩመርን ወፂኦም፡ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝነብሩ ዘለዉ ሱዳናውያን ስደተኛታት፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት፣ ዕጡቓት ብዝፈፀሙዎ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ካብ መንጎ’ቶም ስደተኛታት ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም። ካብ መንጎኦም እቶም ሓሙሽተ ብኸቢድ ዝቖሰሉ ኰይኖም፡ እቶም ኣርባዕተ ንዝለዓለ ሕክምናዊ ሓገዝ ናብ ጎንደር ከም ዝተላእኩ ሓቢሮም።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ መብርሂ ክህቡ ብድምፂ ኣመሪካ ዝተሓተቱ፣ እቶም ስደተኛታት ናይ ዝነብሩሉ ወረዳ መተማ ኣመሓዳሪ ዝኾኑ ኣቶ ደሳለኝ ሞገስ፡ ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ የፃርዩ ከም ዘለዉ ብምግላፅ፡ እቶም ስደተኛታት፣ ናብ ዝተዳለወሎም ሓድሽ መዓስከር ኣፍጥጥ ንኽኣትዉ፡ ምስቶም ስደተኛታት ይዝትዩ ከም ዘለዉ ሓቢሮም። ኣቶ ደሳለኝ ኣስዒቦም “ክሳብ መወዳእታ ፍቓደኛታት እንተ ዘይኮይኖም፣ መንግስቲ ፌደራል ካብቲ ዘለውሉ ቦታ ከልዕሎም ክንሓትት ኢና፡” ብምባል ገሊፆም።

እቶም ስደተኛታት ብወገኖም፣ ድልየቶም ካብ ኢትዮጵያ ምውፃእ እምበር፣ ናብ ካልእ መዓስከር ምግዓዝ ከምዘይኮነ ይገልጹ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ከምኡ እውን ካብ ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ መብርሂን ርእይቶን ንምርካብ ዝተኻየደ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG