ዋሽንግተን —
ገለ ኽፋላት ቓዛ ኣብ ኣፍደገፍ ዓፀቦ ዝርከቡ ክኾኑ ከለው ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከቡ ፍልስጤማውዊያን ድማ ይሳቐዩ ኣለው። ናብ እስራኤል ኣትዮም ክሰርሑ ኣይክኣሉን። ብሙሉኡ ቁጠባ ምዕራባዊ ገማግም የንቋልቁል እዩ ዘሎ።
ሓማስ 7 ጥቅምቲ መጥቓዕቲ ግብራ-ሽበራዊ ቅድሚ ምፍፃሙ ልዕሊ 200,000 ፍልስጤማዊያን ካብ ምዕራባዊ ገማግምን ቓዛን ኣብ እስራኤል እናሰርሑ ንቁጠባ ፍልስጤማውዊያን ይድግፉ ነይሮም። ንልዕሊ ሓደ ዓመት እስራኤል ናብ ሃገራ ንከይኣትው ስለ ዝኸልከለቶም ኩሉ ስርሖም ብፍላይ ድማ ስራሕቲ ህንፀት ስኢኖም ኣለው።
ቅጥዒ