ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ም/ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ 1,800 መጥቃዕቲታት ግብረ-ሽበራ ኣመዝጊቡ


ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፋ ሽዱሽተ-ኣዋርሕ ዓመት'ዚ ልዕሊ 1,800 መጥቃዕታት ግብረ-ሽበራ ከም ዝተፈጸመን ንሱ ዘስዓቦ ዳርጋ 4, 600 ሞትን ጽንኩር ሰብኣዊ ኩነታትን ከም ዘጋጠመ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን' ዞባ ገሊጹ።እቲ በዓል ስልጣን እዚ ካብ' ዘሰንብድ ጸገም ጸጥታ እቲ ዝነኣሰ' ክብሉ'ዉን ወሲኾም ሓቢሮም

ዑመር ትረይ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝበልዎ ኣብቲ ኢኮዋስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ደንበ 15- ሃገራት ማሕበረሰብ ቁጠባ ምዕራብ ኣፍሪቃ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ከምዝተሰደዱን ዳርጋ 6.2 ሚልዮን ሰባት ኸኣ ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ምዃኖም ገሊጾም።

ንሶም ወሲኾም ጠለብ መግቢ እቲ 30-ሚልዮን ህዝቢ ምዕራብ ኣፍሪቃ እኹል ዓለምለኸ ምላሽ እንተዘይተረኺቡ'ዉን ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ቁጽሪ' ሓገዝ ዝደሊ ህዝቢ ናብ 42- ሚልዪን ክበጽሕ'ዩ ክብሉ'ዉን ኣጠንቂቖም።

ፕረዚደንት'ቲ ኢኮዋስ ዝኾኑ ትረይ መበገሲ' ጸገማት ጸጥታ እቲ ዞባ ግብረ-ሽበራ፡ ዓመጽ ዕጡቓት ሓይልታት፡ ዝተወደቡ ገበነኛታት፡ ዘይ-ሕገመንግስታዊ ለውጥታት መንግስታት፡ ዘይሕጋዊ ምንቅስቃሳት ባሕሪን ቅልውላው ክሊማን ስኑዕ ዜናን ምዃኑ ገሊጾም

ባይቶ ጸጥታ ብተወሳኺ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ካብ ዝኾኑ ሎናርዶ ሳንቶስ ሲምዮ ብዛዕባ' እናንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ ምዕራብ ኣፍሪቃ መግለጺ ሰሚዑ'ሎ።

ምኽትል ኣምባሳደር ኣመሪካ ሮበርት ዉድ ብወገኖም ዲሞክራሲ' ዞባ ንድሕሪት ይጉተት ኣሎ ድሕሪ ምባል እዚ ዝሰፍሓ ጸገም ጸጥታን ኣመሪካ ኣዝዩ ከም ዘሻቀላ ገሊጾም

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG