ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝኸፍአ ቅልውላው መግቢ ኣንጸላልይዎ'ሎ ክብል ትካል ህጻናት ኣድህን ኣጠንቂቑ


ኣብ ኣቡጃ ደቂ ኣንስትዮ መግቢ ኣብ ምድላው ከለዋ ዝተወስደ ፡- ፋይል2 018.
ኣብ ኣቡጃ ደቂ ኣንስትዮ መግቢ ኣብ ምድላው ከለዋ ዝተወስደ ፡- ፋይል2 018.

ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ቅልውላው መግቢ ኣንጸላልይዎ'ሎ።

ልዕሊ 27 ሚልዮን ሰባት ብጥምየት ተጠቒዖም ከምዘለው ዝሓበረ ኣብ ኣመሪካ ዝመደብሩ ትካል ህጻናት ኣድሕን(Save the Children): እዚ ኣሃዝ እዚ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ናብ 38 ሚልዮን ክብ ክብል ከምዝኽእል ኣፍሊጡ`ሎ።

ትካል ህጻናት ኣድሕን ህጹጽ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ'ዉን ኣብ ታሪኽ ሓድሽ ደረጃ ቅልውላው ከጋጥም'ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ምኽንያት እዚ ቅልውላው ካብቲ ጎንጽታትን ስእነት ጸጥታን ብተወሳኺ ዋሕዲ ዝናብ ዝስዓቦ ደርቂ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።

እቲ ትካል ወሲኹ እዚ ቅልውላው መግቢ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ዓብይ ሃሰያ ከስዕብ'ዩ ክብል እውን ሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናህሪ ዋጋ መግቢ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሸት ዓመታት ካብ 20% ናብ 30% ምውሳኹ እውን ጠቂሱ'ሎ።

ብካልእ ወገን ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ብዙሓት ዓለምለኸ ለገስቲ ንኣፍሪቃ ዝህብዎ ሓገዝ ከምዝንክይዎ ኣተንቢሆም ኣለዉ ክብል ትካል ህጻናት ኣድሕን ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ አፍሊጡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG