ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቶ መንነት ወልቃይት ጸገዴ ናብ ክልል ትግራይ ተመሪሑ


Tigray Region
Tigray Region

‘ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ፣ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞባ ክልል ትግራይ፣ ዝተበገሰ ሕቶ መንነት ኣለና ዝብሉ ነበርቲ ወልቃይት ፀገዴ፣ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ’ታ ሃገር ካብ ክልል ትግራይ ክጅምር ከምዝግባእ ወሲኑ’ ይብሉ ናይ ሎሚ ጋሻና።

እቲ ቤት ምኽሪ ናብ ክልል ትግራይ ዝላኣኾ ደብዳቤ፣ ሕቶ መንነት ወልቃይት ፀገዴ ዝብል ኣገላልፃ ስለዝተጠቀመ ቁሩብ ኣደናጊሩና ኣሎ። ምኽንያቱ ሕቶ ወልቃይትን ጸገዴን ዝተፈላለየን ስለዝኾነ ይብሉ ኮሎኔል ደመቀ።

ሕቶ መንነት ህዝቢ ብፖለቲካዊ ረብሓ ደለይቲ ኣብ በለፅ ከይውዕል ክንዲ ዝካኣለና ንሰርሕ ኣለና’ውን ኢሎም።

ኣብ ዘረባና፣ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን ክልል ትግራይ ረኺብና ክነዘራርብ ኢና።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:15 0:00

XS
SM
MD
LG