ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ልዝብን ምኽሪን ጥራሕ’ያ መድሓኒታ’ ኢሎም ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ (2ይ ክፋል)


ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ
ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ

‘ዝላዓሉ ሕቶ ዜጋታት ብግቡእ ምላሽ ክረኽቡ’ምበር ተዳፊኑ ክተርፍ ወይካኣ ዘይሕጋዊ ኣተሓሕዛ እንተረኺቡ ሳዕቤኑ ፅቡቅ ኣይኾንን ይብሉ ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ። እቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝራኣናዮ ጥፍኣትን ሞትን ኣይንሳዓበን’ውን’ በሉ።

‘ክልተ ሰባት ይኹኑ ሰለስተ፣ ተቃዋሚ ፓርቲ ይኹን ህዝቢ ዘልዓሎ እንተኾይኑ፣ ናይ ወልቃይት ይኹን ናይ ጸገዴ ይኹን፣ እቲ መንግስቲ መድረኽ ዝርርብ ክኸፍት ኣለዎ። እንታይ ኢኹም ትደልዩ? እንታይ ክትገብሩ ኢኹም ትደልዩ? ሕቶኹም እንታይ’ዩ? ክብል ይግባእ’።

ፓርላማ ኢትዮጵያ’ውን እንተኾነ፣ ከም’ቲ ኣብ መላእ ዓለም ዝግበር፣ ሓደ መርማሪ ኮሚቴ ኣቑሙ፣ ናብ’ቲ ቦታ ከይዱ ክምርምርን ነቲ ህዝቢ ከዘራርብን ይግባእ’ ኢሎም ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ።

‘መድሓኒት’ዚ ምስሕሓብ መንግስቲ ምስ ህዝቢ፣ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምዝርራብ’ያ’ ኢሎም ይምዕዱ።

ዝስዕብ ቃለ-መጠይቅና ምስ ‘ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኮሚተ መንነት ወልቃይት’የ’ ዝበሉና ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱ ኮይኑ’ሎ። ንሶም ‘ቤት ምኽሪ ፈደረሽን፣ ንሕቶና ተቀቢልዎ’ዩ። እንተኾነ ክልል ትግራይ ተኣኪብና ንከይንዘራረብ ኣጊዱና፣ ካብ 5 ንላዕሊ እንተተኣኪብኩም ክትእሰሩ ኢኹም ኢሉ ኣጠንቂቁና’ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ካልኣይ ክፋል'ቲ ቃለ-መጠይቅ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:13 0:00
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:01 0:00

XS
SM
MD
LG