ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ ምልልስ ኣብ ጉዳይ ሕቶ መንነት ወልቃይት ምስ ኣማሓዳሪ’ቲ ወረዳ (2ይ ክፋል)


ካርታ ትግራይ
ካርታ ትግራይ

'ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ተተኺሉ ዘሎ ስርዓት ቅድሚ ምምፅኡ ኣብ ወልቃይት ዝተማሃረ ሰብ ከምዘይነበረ' ዝገልፁ ኣማሓዳሪ ወልቃይት ኣቶ ጀጀው ደሞዝ 'ኣብ ሓደ እዋን ዓቃቢ ሕጊ ዝኸውን ተወላዳይ’ቲ ከባቢ ተደልዩ ኣይተረኸበን ካብ ጎንደር’ዩ ተሳሒቡ' ይብሉ።

'ህዝቢ ወልቃይት ባዕሉ’ዩ ዘማሓድር ዘሎ፣ እንተኾነ ወያናይ ኣተሓሳስባ ዝሓዘ ዝኾነ ተወላዳይ ካልእ ክፍሊ ትግራይ’ውን እንተኾነ ናብ ወልቃይት መፂኡ ከማሕድር ይኽእል’ዩ ዝብል’ዩ እምነት ህዝቢ' በሉ ኣቶ ጀጀው።

ኣብ’ቲ ከባቢ ካብ ሞንጎ ዝነብሩን ንሕቶ መንነት ብፊርማኹም ደጊፍኩም ኣብ ልዕሊ ዝተባሃሉ ውልቀ-ሰባት ዝተፈፀመ ግፍዒ ይኹን ማእሰርቲ የለን’ውን ኢሎም ኣማሓዳሪ ወልቃይት ኣቶ ጀጀው ደሞዝ።

‘ኣብ ጉዳይ ወልቃይት-ፀገዴ ዘበገስናዮ ሕቶ መንነት ሕገ መንግስታዊ’ዩ ዝብሉ ወገናት ፀረ ሕገ-መንግስታዊ’ዮም። ምኽንያቱ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ኣብ ቛንቛ ዝተመስረተ ፌደራላዊ ስርዓት ዝሃነፀትን ስለዝኾነት’ ይብሉ ጋሻና ኣቶ ጀጀው ደሞዝ። ኣማሓዳሪ ወረዳ ወልቃይት ኣቶ ጀጀው፣ ሕቶ መንነት ዝብገስ ብወከልቲ ህዝቢ’ምበር ብውልቀ-ሰባት ኣይኮነን’ውን ይብሉ።

ቃለ መጠይቅ ምስ ኣቶ ጀጀው ዝተካየደ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:51 0:00


XS
SM
MD
LG